
ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕብራት ሃገራት ዝምእከል ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣብ ዝርከበሉ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝነበረን ዝዓበየ ቤት ጽሕፈቱ ከም ዝዓጸወ ኣፍሊጡ።
ትካል ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ናይ ወርሒ ሰነ ነቲ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዝተደኮነ ዝዓበየ ቤት ጽሕፈቱ ክዓጽዎ ዝተገደደሉ ምክንያት፡ ብዘጋጠሞ ፋይናንሳዊ ሕጽረት ናይ ዳግመ ውደባ ስርሒታትን ከም ዝዀነ”ዩ ዝንገር።
ከም ቀንዲ ኣከፋፋሊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ብምኳን፡ ንብርክት ዝበለ እዋናን ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝጸንሐ ቤትጽሕፈት ውድብ መግቢ ዓለም ሽረ እንዳስላሰ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈናቐሉ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ተመዛበልቲ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ዝሓትት ከቢድ ኵነታት እንዳሃለዉ፡ ቤትጽሕፈቱ ክዓጽዎ ምውሳኑ፡ ከቢድ ሽቅሎት ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ እቶም ካብ ምዕራባዊ ዞባ ዝተፈናቀሉ ተመዛበልቲ፡ ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ፡ ናብ ዓዶም ክምለሱን ንቡር ሂወት ክጅምሩን ብዝጠልብ ሰለማዊ ሰልፍን ዝተፈላለዩ መንገድታትን ተቓውሞኦም ከስምዑ ምቅናዮም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ዛጊት ፍታሕ ክረክቡ ከምዘይከኣሉ”ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ኣስታት 300 ተመዛበልቲ ብጥሜትን ሕማምን ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ጸገማት እቶም ተመዛበልቲ ህጹጽ ፍታሕ ከይረከበን ክራማት እንዳኣተወን ውድብ ጥዕና ዓለም ቤትጽሕፈቱ ክዓጹ ምውሳኑ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ሻቅሎት ምፍጣሩ”ዩ ዝንገር።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድብ ምግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዝኮነ ሌቫን ትቻትቹዋ፡ ንምዕጻው ናይቲ ቤት ጽሕፈት ኣመልኪቱ ንኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝሃቦ መረዳእታ፡ ዋላ”ኳ እቲ ናይ ሽረ እንዳስላሰ ቤትጽሕፈት እንተተዓጽወ፡ ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ዘካይዶ ዝነበረ ንጥፈታት ግን፡ ኣብ መቐለ ኮይኑ ክቅጽሎ ከምዝኮነ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ወሃቢት ቃል ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝኮነት ክሌር ኔቪል ብወገና፡ እዚ ውሳነ”ዚ ኣካል ናይቲ ኣብ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ኣወዳድባ ከም ዝዀነን፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2024፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብምርድዳእ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዃኑ ዝገለጸት ኮይና፡ ውድብ መግቢ ዓለም ንልዕሊ 280,000 ህጻናት፡ ኣደታትን ንኣሽቱ ሓረስቶትን ብዝተፈላለየ መንገድታት ይድግፍ ምህላዉን፡ ሕክምና ሕዱር ሕማማት፡ ጥሜት፡ ሕጽረት መኣዛዊ መግቢ፡ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ደገፍ ልምዓት መነባብሮን ካልእን ዛኣመሰሉ ንጥፈታት ኣብ ትግራይ ይህብ ምህላዉን ክቅጽሎ ከምዝኮነን እኳ እንተገለጸት፡ ምዕጻው ናይቲ ቤትጽሕፈት ግን ምስ ምእታው ክራማት ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝግለጽ።