
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ናብ ተጋሩን ኤርትራውያንን ዘነጻጸረ፡ መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ይፍጸም ከምዘሎን ገና ውን ይቅጽል ምህላዉን፡ ካብ ቀይዲ ዝተፈትሑን ስድራ እሱራትን ገሊጾም።
እቶም ግዳያት ናይ’ዚ ኣልማማ ምእሳር ዝኾኑ ዘለዉ ተጋሩን ኤርትራውያንን፡ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንመዓልታት ይእሰሩን ገንዘብ ከፊሎም ክወጹ ይሕተቱን ምህላዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ዝተባህለ ጕጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ውን ብወገኑ፡ ኣብ ሽዱሽተ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ብኣማኢት ዝቁጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ብዘይፍቓድ ቤትፍርዲ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ እቲ ኩነታት ኣሰካፊ ኮይኑ ምህላዉ ገሊጹ።
ብዘይካ ተወለድቲ ትግራይ ዝኮኑ ዜጋታት፡ ኤርትራውያን ስደትርኛታት እውን ግዳይ ናይቲ ማእሰርቲ ይዀኑ ከምዘለዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ጉጅለ ህግደፍን ዝተፈጥረ ወጥሪ እናኸረረ ይከይድ ምስ ምህላዉ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ዘይምክኑይ ማእሰርቲ እናወሰኸ ይከይድ ምህላዉ”ዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ።
ትካል ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ መንነት ዘነጻጸረ ማእሰርቲ ተጋሩን ኤርትራውያንን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ዝጀመረ ምዃኑን ገና ውን ይቅጽል ከምዘሎን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ጅምላዊ ምግፋፍ ከምዝተካየደን ዛጊት ናብ ቤትፍርዲ ዝቀረበ ውን ከምዘየለን”ዩ ዘረጋግጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሓጺር ጸብጻብ ዘቅረበ ጕጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ቀጺሉ፡ ካብ ትግራይ ዝመጹን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክነብሩ ዝጸንሑን ተጋሩ፡ ብስሞምን፡ ብላህጃኦምን፡ ብቋንቋኦምን ተለልዮም ይእሰሩ ከምዘለዉ፡ ካብ ዝተኣስሩን ዝተፈትሑን መሰኻኽር ከምዘረጋገጸ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣብ ክፍለ ከተማታት የካ፡ ለሚ”ኩራ፡ ቦሌ፡ ልደታ፡ ኣዲስ ከተማን ነፋስ ስልክ ላፍቶን ብዝተካየደ መጽናዕትን ክትትልን ነቲ ጸብጻብ ከምዘዳለወ”ዩ ምክትል ዳይሬክተር ናይቲ ትካል ኣቶ መብርሂ ገሊጹ ዝርከብ።
እቶም እሱራት መጀመርታ ኣብ መደብራት ፖሊስ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ቤት ማሕቡስ ከምዝሰጋገሩ ዝገለጸ ኣቶ መብርሂ፡ ኣብ ክፍለ ከተማታት የካ ፈረንሳ፡ ኮተቤ፡ 02 ከባቢታት ሾላ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክፍለ ከተማታት ለሚ”ኩራ ከባቢ CMC ዝርከቡ ቤትማሕቡሳት፡ ብብዝሒ እሱራት ምህላዎም”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ፡ ከባቢታት 22 (ሃያ ሁለት)፡ ኣዲሱ ኣስፋልት፡ ኣደይ ኣበባን፡ ክፍለ ከተማ ልደታን ውን ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ምህላዎም ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ማእሰርቲ ብፍሉይ ንመንእሰያት ዕላማ ዝገበረ ምኳኑን፡ ካብ ጎደናታት፡ መዘናግዒ ቦታታት ይግፈፉ ከምዘለዉን፡ ንምንታይ ከምዝተኣሰሩ ውን ዝነግሮም ከምዘየለ”ዩ እቲ ምክትል ዳይረክተር ዝገልጽ።