
ሰራዊት እስራኤል መላእ ከተማ ቓዛ ንምቍጽጻር ብዘውጽኦ ውጥን መሰረት፡ ናይ ፈለማ መጥቃዕቲ መሬት ከም ዝጀመረን ድሮ ንወሰናስን እታ ከተማ ከም ዝተቘጻጸረን ተገሊጹ።
ወተሃደራዊ ወሃቢ-ቓል ሰራዊት እስራኤል፡ ሰራዊት ሃገሩ ኣብ ወሰናስን ከባቢ ዘይቱንን ጀባልያን ዓሪዱ፡ ንመጥቃዕቲ ዘድሊ ምድላዋት ኣብ ምግባር ከም ዘሎ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ካትዝ ነዚ እማመ ብሰሉስ ድሕሪ ምጽዳቁ፡ እቲ ውጥን ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ናብ ካቢነ ምኒስተራት ጸጥታ ክቐርብ ከምዝኮነ”ዩ ዝንገር።፡
እስራኤል፡ ኣስታት 600ሽሕ ዝቁጽሩ ዕቑር ሰራዊታ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ናብ ንጡፍ ሰራዊት ክሕወስ ናይ ክተት ጻውዒት ምግባራ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ድሕሪ”ቲ ዝቀረበ ወተሃደራዊ ጻውዒት፡ ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ዝካየድ ኣረሜናዊ ኲናት ደው ንምባል ዝቀረበ እማመ ኮነ ኢላ ትኮልፋ ኣላ ክብል ክሲ ምቅራቡ”ዩ ሮይተርስ ዝሕብር።
ኣብ ከተማ ቓዛ ዝርከቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን፡ ሰራዊት እስራኤል ከተማ ቃዛ ንምቍጽጻር ምድላዋት ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ካብቲ ቦታ ክወጽኡን ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ናብ ዝርከቡ መዕቆቢ ቦታታት ክግዕዙን ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እስራኤል ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ካብ ብዙሓት መሓዙታ ዝኮና ሃገራት ከይተረፈ ከቢድ ተቃውሞ ይገጥሞ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ዝመደበቶ ውጥን ምቁጽጻር ቃዛ፡ ኣብ ኽልተኡ ህዝብታት ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእልን ንመላእ እቲ ዞባ ኣብ ዘየቋርጽ ኲናት ዘእቱ ሓደጋ ከም ዘለዎን ብምጥቃስ ስክፍቱኡ ድሕሪ ምግላጹ፡ እስራኤል ካብቲ ውጥን ብህጹጽ ክትስሕብ”ዩ ኣጠንቂቁ ዝርከብ።
ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ብወገኑ፡ እስራኤል እትወስዶ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ 2.1 ሚልዮን ህዝቢ ቓዛ ተወሳኺ ምምዝባልን ዝያዳ ብድሆን ዘስዕብ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክሳብ ሕጂ ወሪዱ ንዘሎ ዕንወት ብተዓጻጻፊ ቁጽሪ ክዓቢ ከምዝግበር ብምጥቃስ፡ እስራኤል ዳግማይ ክትሓስበሉ”ዩ ጻውዒቱ ዘቕርብ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሓማስ ዝፈለመ ዘተ ምቍራጽ ተጻቦኦን ምፍታሕ ጅሆ ዝተታሕዙ ዜጋታትን ድሕሪ ምፍራሱ፡ መንግስቲ እስራኤል መላእ ወሽመጥ ቓዛ ንክቈጻጸር መደብ ከምዘውጸአ ዝፍለጥ”ዩ።