
ሰልፊ ጽገና ዓባይ ብሪጣንያ ብንኣሽቱ ጀላቡ ተሳፊሮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝኣትዉ ሓደሽቲ ሓተቲ ዕቝባ ብጅምላ ክጥረዙ ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ።
መራሒ እቲ ሰልፊ – ኒጀል ፋራጅ ንThe-times ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሰፊሕ ቅልውላው ተኸሲቱ ከም ዘሎን፡ እዚ ድማ ንሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ህዝባዊ ዕግርግር ከስዕብ ዝኽእልን ምኳኑ ብምግላጽ፡ ሰልፊ ጽገና ሓተቲ ዑቅባ ናይ ምጥራዝ ስጉምቲ ንምውሳድ ድሉው ምህላዉ”ዩ ዝግለጽ።
ፖለቲካዊ ውድብ ጽገና፡ ኣርባዕተ ኣባላት ባይቶ ጥራሕ ከምዘለዎ ዝፍለጥ እኳ እንተኮነ፡ ብሰንኪ እቲ ንኣሽቱ ጀላቡ ተጠቒምካ ዝካየድ ዘሎ ስግረዶባዊ ጉዕዞን ንሱ ዘስዓቦ ብስጭትን ግን፡ ዝወስዶ መርገጺ ኣብ መንግስታዊ ምርጫ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሓሸ ተሰማዕነት ንኽረክብ ክሕግዞ ከምዝክእል”ዩ ዝእመን።
መራሒ ሰልፊ ጽገና ኒጀል ፋራጅ ወሲኹ፡ ውድብና ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ እንታይ ክገብር ይካኣል ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓሸ ሓሳብ ኣለዎ ዝበለ ኮይኑ፡ ኣብ ቃላቱ ውድብ ጽገና ብባሕሪ ንዝግበር ጉዕዞ ሓተቲ ዑቅባ ንምግታእ ቀጥታ ናይ ምጥራዝ ስጉምቲ ከምዝወስድ እኳ እንተገለጸ፡ ሰልፊ ዕዮ ባኣንጻሩ እቲ ውጥን ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ምኳኑን ተፈጻምነት ክህልዎ ከምዘይኮነን ብምግላጽ ድሕሪ ምንጻጉ፡ ዓቃባውያን ሰልፍታት ብወገኖም ኣብዚ ጉዳይ ብተግባር ዝሰርሕ ተኣማንነት ዘለዎ ውጥን ከም ዘቕርቡ”ዮም ዝገልጹ።
ፋራጅ ንጋዜጣ ዘ-ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቅባ ዓባይ ብሪጣንያ ክእሰሩን ክጥረዙን ምዃኖም እንተ ፈሊጦም ካብ ምምጻእ ክቝጠቡ’ዮም ዝበለ ኮይኑ፡ ውድቦም ንብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኣውጺኡ፡ ንኣሽቱ ጀላቡ ተሳፊሮም ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ስደተኛታት ዕቝባ ከይሓቱ ክእግዶም መደብ ከምዘለዎ እኳ እንተነጸረ፡ ካብ ተሓለቅቲ ሰባኣዊ መሰላት ግን ቀሊል ዘይበሃል ብድሆ ክገጥሞ ከምዝኽእል ግን ዝግመት”ዩ።
ኣብ ስምምዕ እንተ ተበጺሑ፡ እቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተኣሲሮም ናብ ከም ኣፍጋኒስታንን ኤርትራን ዝኣመሰላ ሃገራት ክምለሱ ይኽእሉ ዝበለ እቲ ፖለቲከኛ፡ ዝውሰዱ ስጕምትታት ሕጋዊ ብድሆታት ከጋጥሞ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ መሪሕነት ሰልፊ ጽገና ግን ሱርበተኻዊ ስጕምቲ ከም ዘድሊ ኣሚኑ ናብ ስጉምቲ ካኣቱ ከምዝኮነ”ዩ ቃል ኣትዩ ዝርከብ።
ቁጠባዊ ቅልውላው ብሪጣንያን፡ ሽቅለት ኣልቦነትን ንምቅላስ፡ ስደተኛታት ምስጓግ እንኮ መፍትሒ ምኳኑ ዘነጸረ ውድብ ጽገና፡ እቲ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምብጻሕ ዝግበር ጉዕዞ፡ ብምእሳርን ምጥራዝን ጥራሕ ደው ክብል ከምዝኽእል”ዩ እምነቱ ዝገልጽ።