
ግብጺ ኣብ ሶማል ወተሃደራዊ ምንቅስቃሳትን ኣብ ምክያድን፡ ሰራዊት ኣብ ምውፋርን ተጸሚዳ ምህላዋ ደስ ዘብል ስምዒት ዝፈጥር ወላ ኣይኩን፡ በቲ ወተሃደራዊ ምንቅስቃሳት ግን ንኢትዮጵያ ዝስመዓ ስክፍታ ከምዘየለ ኣምባሳደር እታ ሃገር ገሊጹ።
ነዚ ዝገለጸ በዓል ስልጣን፡ ዋና ኣካያዲ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ዝኮነ ኣምባሳደር ሱሌማን ደደፎ ኮይኑ፡ ኣብቲ ምስ ማዕከናት ዜና ሶማል ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ህላወ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ “ንኢትዮጵያ ዘሻቅላ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሰራዊት ግብጺ ንሓይልታት ኢትዮጵያ ክፈታተኑ እንተዘይፈቲኖም፡ ኢትዮጵያ ንህላወ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ ከም ቀጥታዊ ስግኣት ከምዘይትጥምቶ”ዩ ዝገልጽ።
ግብጻውያን ሓገዝ ንምግባር ዕቱባት እንተኾይኖም፡ ኣብ ከም በዓል ፍልስጤም፡ ሊብያ ወይ ውን ሱዳን ዝኣመሰላ ሃገራት እንተዝዋፈሩ፡ ዝያዳ ጠቓምን ኣድማዕን ምኾነ ዝበለ ኣምባሳደር ሱሌማን ደደፎ፡ ኢትዮጵያ ወላ ዳኣ ስጋኣት ዝስመዓ ኣይኩን፡ ግብጺ ኣብ ሶማል ምስፋራ ግን ሓገዝ ንምሃብ ዘይኮነ ንኢትዮጵያ ንምትንካፍ ምኳኑ”ዩ ከረድእ ዝፍትን።
እቲ ኣምባሳደር ዝሃቦ ቃል፡ ኣካል ሉኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ (AWSO) ዝኾነ ሰራዊት ግብጺ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊሙ ወዲኡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሶማል ንምውፋር ድሉው ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሶማሊላንድ ተሰሊፋ ምስ ምህላዋ፡ ሰራዊት ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ መሬት ሶማል ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ከየምርሑ ስክፍታ ምህላዉ ዝንገር ።