
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዩክሬን ዩልያ ስቪሪደንኮ፡ ኣብ ኪየቭ ዝርከብ ህንጻ ካቢነ ሚኒስተራት ዩክሬይን፡ ትማሊ ንግሆ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሩስያ ከምዝዓነወ ገሊጻ።
ሩስያ ትማሊ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ህንጻ ዩክረይን ዝተፈጸመ ናይ ፈለማ ደብዳብ ኮይኑ፡ ከንቲባ ከተማ ኪየቭ ዝኮነ ቪታሊ ክሊችኮ ብወገኑ፡ እቲ መንግስታዊ ህንጻ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝዓነወ”ዩ ዝገልጽ።
እቲ ህንጻ ኣብ ማእከላይ ኣውራጃ ፔቸርስኪ ከምዝርከብ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ዝሓበረ ክሊችኮ፡ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ እታ ከተማ ንዝተፈጥረ ባርዕ ንምቁጽጻር ኣብ ስራሕ ምህላዎም”ዩ ዝጠቅስ።
ብዘይካ”ቲ መንግስታዊ ህንጻ፡ ዓቢ መኽዘን፡16 ደርቢ መንበሪ ህንጻን፡ ከምኡ’ውን በዓል ኣርባዕተ ደርቢ ህንጻ መጥቃዕቲ በጺሕዎም ምህላዉ ዝጠቀሰ እቲ በዓል ስልጣን፡ ሩስያ ትማሊ ኣብ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣስታት 800 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከምዝተወንጨፈት”ዩ፡ ሓይሊ ኣየር ዩክሬይን ዝገልጽ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር፡ ትሽዓተ ሚሳይላትን 56 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣብ 37 ቦታታት ጉዳኣት ከምዘውረደ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ስብርባር ኣካላት ናይቲ ተተኮስቲ ውን ኣብ ሸሞንተ ቦታታት ከምዝወደቀን መጠናዊ ሓደጋ ከምዘብጽሐን”ዩ ዝገልጽ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ “ጸላኢ ኣብ መላእ ሃገር ንህዝብና መዓልታዊ የሸብር’ኣሎ” ክትብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጸሓፈት ኮይና፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ኣንድሪ ሲቢሃ ብወገኑ፡ ሽበራዊ ተግባራት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እንዳዛየደ ይከይድ ብምህላዉ፡ ካብ መሻርኽቲ ዩክሬን ዝኮና ሃገራት ሓያል ምላሽ ክወሃባ ከምዝግባእ”ዩ ጸዊዑ ዝርከብ።
ብሰንኪ”ቲ ሩስያ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ሓንቲ ኣደን ወዲ ክልተ ወርሒ ህጻንን ከምዝተቐትሉ ፖሊስ እታ ሃገር ዝገለጸ ኮይኑ፡ ዩክሬን ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ብራያንስክ ኣብ ዝርከብ ሻምብቆ ነዳዲ ሩስያ፡ ናይ ግብረመልሲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክሬን ገሊጹ።