
ኩነታት ናይታ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ስደተኛታት ሒዛ ዝተበገሰትን፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ድሃይ ዘይብላን መርከብ ንብዙሓት ስድራቤታት ኣሻቂሉ ምህላዉ፡ ካብ ገጻት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተረክበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
እታ ብዕለት 26 ወርሒ 8 ናብ ዕለት 27 ዘውግሕ ለይቲ ዘተበገሰት መርከብ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ፡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣሳፊራ፡ ናብ ጥልያን ከምዝተበገሰት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ንዝሓለፈ 3 ሳምንታት ድሃያ ክርከብ ሰሪ ዘይምኽኣሉ፡ ብርክት ዝበላ ስድራቤታት ኣብ ሻቅሎት ወዲቀን ምህላወን ዩ ዝንገር።
ድሃይ እታ ዝጠፈአት መርከብ ንምርግጋጽ፡ ምስ ኣሰጋገርቲ ኣካላትን ትካላት ግብረሰናይን ዝተገብረ ዝርርብ ፍረ ክርከቦ ከምዘይተካእለ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብታ መርከብ ተሳፊሮም ካብ ዝነበሩ ሰጋሮ፡ ድሃይ ዝገበረ ምስ ዘይምህላዉ ውን ኩነታቶም ዝያዳ ኣሻቃሊ ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዝጠቅስ።
ምስ ኩነታት እታ መርከብ ብዝተሓሓዝ፡ ድሃይ ንምርካብ ዝተገብረ ኩሉ ዓይነት ፈተነታት ከምዘይተዓወት ገለ ስድራቤታት ዝጠቀሱ ኮይኖም፡ ድሃይ ኣለኒ ዝብል እንተሎ ክተሓባበር ውን በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒትና ነቅርብ።