ብሓምዳን ደጋሎ ሕሚቲ ዝምራሕ ሓይሊ ዳዕመል ሰሪዕ፡ ኣብ ትሕቲ ከበባ ኣብ እትርከብ ከተማ ኤል-ፋሸር ኣብ ዝርከብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ብዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ገሊጹ።
ብሱዳናውያን ዜጋታትን ተሓለቕቲ ሰባኣዊ መሰላትን ዝቘመ ኮሚተ ተቓውሞ ኤል-ፋሸር ብወገኑ፡ ዕጡቓት ዳዕመል-ሰሪዕ፡ ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ክልተ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሸሞንተ መዳፍዕን ከም ዝፈጸሙ ዝገለጸ ኮይኑ፡ በቲ መጥቃዕቲ ሂወት ብርክት ዝበሉ ሲቪል ዜጋታት ምጥፉኡ ውን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ዕጡቅ ጉጅለ ዳዕመል ሰሪዕ፡ ነቲ ብመንገዲ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ዳዕመል ሰሪዕ ፈጺምዎ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ኣይፈጸምኩን ብምባል፡ ሓላፍነት ከምዘይወስድ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኮሚተ ተቓውሞ ኣል ፋሽር፡ እቲ መጥቃዕቲ ብዳዕመል ሰሪዕ ከምዝተፈጸመን፡ ህጻናት፡ ደቀንስትዮን ኣረጋውያንን ከምዝተቀትሉን፡ ብርክት ዝበሉ ውን ኣካላዊ ሞጉዳእቲ በጺሕዎም ምህላዉን”ዩ ዝከስስ።
መርበብ ሓካይም ሱዳን፡ በቲ ብሰብ ኣልቦ ድሮናት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 17 ህጻናት ዝርከብዎም 57 ሰባት ከምዝሞቱን፡ 17 ድማ ቈሲሎም ምህላዎምን ዝገለጸ ኮይኑ፡
ተሓላቂ ከተማ ኣል ፋሽር ብወገኑ፡ ብውሕዱ 60 ሰባት ከም ዝተቐትሉ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ሓይልታት ዳዕመ ኣል-ሰሪዕ ኣብ ዞባ ዳርፉር ንዝርከብን፡ ናይ መወዳእታ ዕርዲ ሰራዊት ሱዳን ንዝኮነን ቦታ ንምቁጽጻር፡ ንዝሓለፉ 17 ኣዋርሕ ንኤል-ፋሸር ከቢቡዋ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኲነታት ኤል-ፋሸር ልዕሊ ሓደጋን ምጽናት ዓሌትን ኰይኑ ምህላዉ”ዩ እቲ ጕጅለ ዝገልጽ።
ሱዳን ካብ 2023 ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ወዲቃ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመል-ሰሪዕን፡ ብቍርቍስ ስልጣን ናብ ጐንጺ ካብ ዝኣትው ንድሓር፡ ኣብታ ሃገር ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ተፈጢሩ ምህላው”ዩ ዝንገር።
ከተማ ኤል-ፋሸር ናይ መወዳእታ ዕርዲ ሰራዊት ሱዳን ብምኳና፡ ኣብ ኢድ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመል ሰሪዕ እንተወዲቓ፡ ንመላእ ዞባ ዳርፉር ክትቆጻጸር ዘክእል ስትራተጂክ ኣገዳስነት ከምዘለዋ ዝንገር ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ሓይሊ ዳዕመል ሰሪዕ፡ ነታ ከተማ ብምቁጽጻር፡
ኣብ ዞባ ዳርፉር ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ተስፋ ጌሩ መጥቃዕቲ ይፍጽም ምህላዉ”ዩ ዝክሰስ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከተማ ኤል-ፋሸር ተዓጽዮም ዝተረፉ፡ ኣስታት 250 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከም ዘለዉ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ኣብ ሲቪላዊ ከባቢታት ዝካየድ ቀጻሊ መጥቃዕቲ፡ ገበናት ኲናት ክኸውን ከም ዝኽእል ውን ተደጋጋሚ ግዜ ከጠንቅቅ ጸኒሑ”ዩ።
ነበርቲ እታ ከተማ ብሰንኪ”ቲ ቀጻሊ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብን፡ እናነከየ ዝመጽእ ዘሎ ቀረብ መግብን ሕክምናን፡ ጥሜትን ሕማምን ኣብ መላእ እታ ከተማ ተዘርጊሑ ምህላው ዝንገር ኮይኑ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ብተመሳሳሊ፡ ዳዕመል-ሰሪዕ ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝተረፋ ሆስፒታላት ኤል-ፋሸር ድሕሪ ምድብዳቡ፡ ብውሕዱ 13 ሰባት ሞይቶም ምህላዎም ውን”ዩ ዝግለጽ።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝኮነ ቮልከር ቱርክ፡ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ቅትለትን መጕዳእትን ዝኮነነ ኮይኑ፡
ዳዕመል ሰሪዕ መወዳእታ ዕላማ ኣብ ዘይብሉ ኲናት ንሲቪላዊ ህይወት ዜጋታት ዘርአዮ ዘሎ ዕሽሽነት ኣዝዩ ከምዘሰንበዶ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ዝካየፍ ዘሎ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ጥራሕ፡ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ውን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ምህላዎምን”ዩ ሰነዳት ውድብ ሕብራት ሃገራት ዝገልጽ።