ተስፋ ብዝተነብረሉ መንእሰይ ፕረዚደንት ኢብራሂም ትራኦረ እትምራሕ ቡርኪናፋሶ፡ ኣብ ስለያዊ ተግባራት ተዋፊሮም ጸኒሖም ንዝበለቶም ንሸሞንተ ሰራሕተኛታት ትካል ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወት ኣፍሊጣ።
እቲ ኣባላቱ ኣብ ስለያዊ ገበናት ተዋፊሮም ጸኒሖም ተባሂሉ ዝተከሰ ትካል፡ ኣብ ሆላንድ ዝመደበሩ ትካል ግብረሰናይ ከምዝኾነ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ቡርኪናፋሶ ከም ዳይረክተርን ምክትል ዳይረክተርን ናይቲ ትካል ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ውን ብገበን ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ምህላዎም”ዩ ዝንገር።
ሚኒስትሪ ጸጥታን ድሕነትን እታ ሃገር፡ እቲ ኣብ ሰባኣዊ መዳያት ክዋሳእ ዝጸንሐ ትካል ግብረሰናይ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ቡርኪናፋሶ ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ወሳኒ ጸጥታዊ ሓበሬታ፡ ንናይ ወጻኢ ኣካላት ክሸይጥ ምጽንሑ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ 8 ካብ ኣባላቱ ንዝያዳ ምርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሑ ምውሳኑ ውን”ዩ ዝገልጽ።
እቲ ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ቡርኪናፋሶ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ትካል ግብረሰናይ፡ ጸጥታዊ ሓበሬታ ቡርኪናፋሶ ብዘይ ፍቓድ ብምእካቡ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ስራሕ ከምዝተኣገደ ይግለጽ ኮይኑ፡ ዋላ’ኳ እቲ ትካል ካብ ስርሑ እንተተኣገደ፡ እቶም ሕጂ ተኣሲሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታቱ ግን፡ ምስጢራዊ ኣኼባታት ከካይዱን ሓበሬታ ይእክቡን ከምዝጸንሑ”ዩ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጸጥታ
ድሕነትን ዝኸስስ።
ሆላንዳዊ ትካል ግብረሰናይ ንዝቀረበሉ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ዝእክቦ ዝነበረ ሓበሬታ ምስጢራዊ ከምዘይኮነን ንድሕነት ሰራሕተኛታቱ ዝተኣከበ ምዃኑን እኳ እንተገለጸ፡ ቡርኪናፋሶ ግን ተቀባልነት ከምዘይብሉ”ያ ትገልጽ።