ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ”ቲ ኣብ ማዳጋስካር ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ፡ ንማዳጋስካር ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዛኣለያ ተገሊጹ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ውሳነ”ዚ ዝወሰደሉ ምኽንያት ኣብ ዘብረሀ መግለጺኡ፡ ኣብ ማዳጋስካር ብመንእሰያዊ ማዕበል ተመሪሑ ብሰራዊት እታ ሃገር እንዳተደገፈ ዝተፈጸመ ዕልዋ፡ ቅቡልነት የብሉን ክብል ዝኮነነ ኮይኑ፡ ሰራዊት ማዳጋስካር ፕረዚደንት እታ ሃገር ናብ ፈረንሳ ድሕሪ ምህዳሙ ንመንግስታዊ ስልጣን እታ ሃገር ምቁጽጻሩ ብምቅዋም፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝፈጸማ ሃገራት ዝውሰድ ውሳነ ተኸቲሉ ንማዳጋስካር ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብግዚያውነት ከምዛኣለያ እዩ ዝግለጽ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መግለጺኡ፡ ማዳጋስካር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ መንግስታዊ ምርጫ ከተካይድን፡ ሲቪል መራሒ ክትመርጽን ዘተሓሳሰበ ኮይኑ፡ ወተሃደራዊ መራሒ ማዳጋስካር ኮለኔል ማይክል ራንድሪ ኒሪና ሎሚ ዓርቢ ቃለማሕላ ክፍጽም ምኳኑ ብምጥቃስ ቅብሉነት ከምዘይህቦ”ዩ ዝገልጽ።
ኣዛዚ ሰራዊትን ኣገልግሎት ቴክኒክን ማዳጋስካር ዝኮነ ኮረኔል ራንድሪ ኒሪና፡ ንምምሕዳር ፕረዚደንት ራንድሪ ራጆሊና ዝቃወም በዓል ስልጣን ምኳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ወዲ 51 ዓመት በዓል ስልጣን፡ ብመንእሰያት እታ ሃገር ንዝተላዕለ ህዝባዊ ተቃውሞ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብወግዒ ከምዝተጸንበሮን፡ ነዚ ስዒቡ ስልጣን ክርከብ ከምዝኮነን”ዩ ዝንገር።
መንእሰያት ማዳጋስካር ኣብታ ሃገር ተከሲቱ ንዘሎ ናህሪ ዕዳጋ፡ ክብደት መነባብሮ፡ ሽቅለት ኣልቦነትን ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪን ብምቅዋም፡ ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ብምውጻእ ኣንጻር መራሒ እታ ሃገር ሰፊሕ ህዝባዊ ተቃውሞ ምውልዖም ኣብ ዝሓለፈ ዜናዊ ትሕስቶና ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብሰንኪ”ቲ ብመንእሰያት እታ ሃገር ዝተወለዐ ናይ ተቃውሞን፡ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ዝወሰድዎ ስጉምትን ኣብቲ ዕግርግር ልዕሊ 20 ዝቁጽሮም ዜጋታት ከምዝሞቱ”ዩ ዝንገር።
እቲ ብመንእሰያት እታ ሃገር ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ንኣስታት ክልተ ሳምንታት ቀጺሉ ኣብ ጥርዚ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ራንድሪ ራጆሊና ናብ ፈረንሳ ምህዳሙ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ማሕበራዊ መራከቢታት ኣብ ዝገበሮ ቀጥታ ፈነወ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ክቀትልዎ መደብ ብምሓዞም ክሃድም ከምዝተገደደ ዘረደአ ኮይኑ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር፡ ንዑኡ ተኪኡ ስልጣን መንግስቲ ማዳጋድካር ብምሓዙ ውን ተቃውሙኡ ምግላጹ ዝዝከር”ዩ።