መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ክልተ ዓመታት መሊኡ ንዘሎ ዘሎ ግጭት መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ፋኖን ደው ንምባል፡ ብሰላማዊ መንገዲ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣቶ መንገሻ ፈንታው ነዚ ኣመልኪቱ ንጋዜጣ ፕላስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭት ንምቁራጽ ብዙሕ ስራሕ ይስራሕ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ሓይልታት ፋኖን መንግስቲ ፈደራልን ብሰለማዊ መንገዲ ግጭት ደው ዘብልሉ ኩነታት ንምፍጣር ይጽዕር ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ ኣብታ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ጎንጺ፡ ኣብ ሃፍትን ንብረትን ከሙኡ ውን ህይወት ደቂ ሰባትን ዕንወት የስዕብ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ዝስዕብ ዘሎ ዕንወት ደው ብምባል፡ ዝተጀመረ ፕሮጀክት ልምዓት ንምዝዛም፡ ግጭት ብዘተ ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ይቕጽል ምህላዉ”ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ክልልና ዘሎ ጎንጺ ብሰላም ንምፍትሑ ኣብ ዕረፍቲ ዘይህብ ጻዕሪ ኢና ንርከብ ዝበለ ኣቶ መንገሻ ፈንታው፡ መንግስቲ እታ ክልል ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝርከብ መሪሕነት ተወዲቡ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሪፎርም ብምግባር ንሰላም ጻውዒት ምግባሩ”ዩ ማዕከን ሓበሬታ ኣንድ”ኣፍታ ዝገልጽ።