ውድብ ህወሓት ዶብ ሰጊሩ ናብቲ ክልል ዓፋር ብምእታው፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመን 6 ቀበሌታት ከምዝተቆጻጸረን ብምግላጽ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ከሲሱ።
ቤትጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን ክልል ዓፋር፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራከቢታት ኣቢሉ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ህወሓት ዶብ ሰጊሮም ናብቲ ክልል ብምእታው፡ ኣስታት ሽዱሽተ ቀበሌታት ተቆጻጺሮም ምህላዎም ከምዝገለጹ ዝጠቀሰ ዶቼቬሌ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ግብረመልሲ ንዘይሃበ ቤጽ ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ክልል ትግራይ፡ ብመንግስቲ ክልል ዓፋር ንዝቀርበሉ ዘሎ ክስታት ኣመልኪቱ ግብረመልሲ ንክህብ ዝተገብረ ጻዕሪ ፍረ ከምዘይተረኽቦ”ዩ ኣብ ሓበሬቱኡ ወሲኹ ዝገልጽ።
ንሰበስልጣን ርክብ ሰላምን ጸጥታን መንግስቲ ትግራይ ንምዝርራብ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ኣይተዓወተን ዝበለ ዶቼቬሌ፡ እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ መልክዑ ሰጊሩ ምህላዉ ግን ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘነጽር ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ሰራዊት ትግራይ ምስቲ ብስም ሓራ መሬት ኣብ ዝፍለጥ ከባቢታት ክልል ዓፋር ዝጸንሐ ሓይሊ TPF ኣብ ከቢድ ምፍጣጥ ምጽንሖም ግን፡ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ካልእ ሳዕቤን ከየኸትል ከምዝስጋእ”ዩ ዝግለጽ።
ድሕሪ”ቲ ብሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ክልል ዓፋር ዝተወስደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ክልል ዓፋር ልዕሊ ዓቅመይ”ዩ ናብ ዝብል መግለጺ ምካዱ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈለየ ሓድሽ ኲናት ከይለዓል፡ ከቢድ ስጋኣት ፈጢሩ ምህላዉ ብዙሓት ብመንገዲ ማሕበራዊ መራከቢታት ኣብ ምግላጽ ምህላዎም ዝጠቀሰ ዶቼቬሌ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ኣብ ገዛኢ ሓይሊ ናይ ትግራይ ዝኮነ ህወሓትን፡ ትግራይ ለውጢ የድልያ እዩ ዝብል ናይ ሓራ መሬት ሓይልን እኳ እንተመሰለ፡ መንግስቲ ክልል ዓፋር መንግስቲ ፈደራል ኢዱ ከእቱ ጻውዒት ምቅራቡ ግን፡ ካልእ ኣሰካፊ ናይ ኲናት ግጭት ከይውላዕ ተፈሪሁ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
እቲ ካብ ሰንበት ኣትሒዙ ኣብ ሞንጎ ዕጡቃት TDFን TPFን ዝተጓሃሃረ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መገሻ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ንምውሳድ ተንቀሳቂሶም ብዝተባህሉ መንእሰያት ዕጡቃት ዝተጓሃሃረ ምኳኑ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ድሕሪ”ቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ናብ መዋፈሪ እቶም ዕጡቃት”ዩ ተባሂሉ ናብ ዝእመነሉ ሓራ መሬት ብምእታው፡ መዓስከር እቶም ዕጡቃት ንምፍራስ ከቢድ ደማዊ መጥቃዕቲ የካይዱ ምህላዎም፡ እዪ ኩነታት ከም ዝሓለፈ ኣቅሊልካ ከምዘይረአን”ዩ ዝንገር።
ኣብ ሞንጎ TDFን TPFን ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ ትግራይ ሓይልታይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ከም ዝሓለፈ ግዚያት ኣብ ሞንጎ ተጋሩ ዝተፈጥረ ግጭት”ዩ ኢልካ ንምሕላፉ ጥራሕ ዝከኣል ከምዘይኮነ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ድሕሪ ምስንጣቅ ህወሓት ዝተወልደ TPF ካብ ማእከላይ መንግስቲ እታ ሃገር ቀጥታዊ ደገፋት ዝረክብ ብምኳኑ፡ ህወሓት ውን ካብ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍልጦ ተነፊግዎ ብምህላዉ፡ እዚ ግጭት ካልእ ተወሳኺ ሓደጋ ከይጽውዕ ከምዝስጋእ”ዩ ዶቼቤለ ወሲኹ ዝገልጽ።
ዶቼ ቬለ እቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ብቀጥታ ናብ ዝዓበየ ኲናት ንምዕራጉ ብክልቲኦም ወገናት ድሌት ዘሎ ኣይመስልን ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዓቅምታቶምን፡ ዓቅሚ ጸላኢ”ዩ ዝብልዎ ሓይሊ ንምፍታሽን ዝተገብረ”ዩ ክብል ግምቱ እኳ እንተቀመጠ፡ ይኩን እምበር ሓይልታት ክልል ዓፋርን፡ ሰራዊት ፈደራልን ነቲ TPF ዝበሃል ናይ ሓራ መሬት ሓይሊ ክድግፉ እንተፈቲኖም ግን፡ ምስ ሓይልታት ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራን ጉጅለ ህግደፍን ስልታዊ ልፍንቲ መስሪቱ ዘሎ ህወሓት ውን፡ ሓይልታቱ ኣሰሊፉ ናብ ምሉእ ኲናት ከያኣቱ ስጋኣት ምህላዉ”ዩ ዝእመን።