ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ሸርፊ ወጻኢ ተሳቲፎም ዝተባህሉ ሓያሎ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ባንክ ሕሳባት ከምዝተዓጽዉን፡ ትካላት ጸጥታን ድሕነትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም።
ኣገልግሎት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን፡ ኣገልግሎት ፋይናንሳዊ ድሕነት፡ ፈደራል ፖሊስ፡ ከምኡ’ውን ትካላት ጸጥታ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ንዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ከምዝቀየዱን፡ ብርክት ዝበለ ናይ ባክን ሕሳባት ከምዝዓጸዉን ኣፍሊጦም።
እቲ ብትካላት ጸጥታ ዝተወስደ ስጕምቲ፡ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም 112 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ብገበን ምዝውዋር ገንዘብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካኣትዉ ከምዝገበረን፡ 519 ናይ ባንክ ሕሳባት ከምዝዓጸወን፡ ኣገልግሎት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ዝገለጸ ኮይኑ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንገበን ምሕጻብ ገንዘብ ክሲ ክምስርተሎም ምኳኑ”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘካይዶ ዘሎ ማክሮ ቍጠባዊ ጽገናታት ዝጻረር፡ ዝተወደበ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ሸርፊ ተዋፊሮም ምጽንሖም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ዘይሕጋዊ ስራሕ ሓዋላ፡ ምስግጋር ገንዘብ፡ ምስዋር ባጤራ ወጻኢ፡ ምህዳም ካብ ግብሪ፡ ዘይሕጋዊ ወይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተረኽበ ገንዘብ ሕጋዊ ምግባርን ካልእን ዛኣመሰለ ገበናት ብምፍጻም፡ ኣብ ቍጠባ እታ ሃገር ልዑል ጉድኣት ዘስዓቡ፡ ንኣሸበርትን ዕጡቓት ጕጅለታትን ዝድግፉ ገበነኛታት ብምኳን፡ ኣብ ገበን ተዋፊሮም ምጽንሖም”ዩ መግለጺ ኣገልግሎት ስለያ ይሕብር።
ብመሰረት እቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ብገበን ተጠርጤኦም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ውልቀሰባት፡ ዘይሕጋውያን ዓለምለኻውያን ትካላት ምትሕልላፍ ገንዘብ፡ መተግበሪታት ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ባጤራ ወጻኢን ክሪፕቶካረንሲን፡ ዘይሕጋውያን ሓዋሎን ደላሎን ምዃኖም ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ፡ ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ዘይብሎም ክንሶም፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዝተዋፈሩን፡ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ብምንቅስቓስ ኣብ ሃገራዊ ቍጠባ እታ ሃገር ርኡይ ጉድኣት ዘውረዱን ኮይኖም፡ ኣምጻእትን ለኣኽትን ብምኳን ኣብ ንግዲ ዓለም ተዋፊሮም ዝጸንሑ ፈጸምቲ ገበን ውን ስጕምቲ ከምዝተወሰደሎም”ዩ እቲ መግለጺ ወሲኹ ዘረድእ።
ካብቶም ተታሒዞም ዘለዉ ጥርጡራት፡ ካብ ደገ ዝለኣኽ ብዙሕ ባጤራ ወጻኢ ኣብ ዘለዎ ክተርፍ ብምግባሮም፡ ፍቓዶም ዝተሰረዘ ዘይሕጋውያን ሓወልቲ፡ ከምኡ’ውን ዘይሕጋዊ መተግበሪ መሰጋገሪ ባጤራ ወጻኢ ዝጥቀሙ ዝነበሩ ውልቀሰባትን ከምዘለዉ እቲ መግለጺ ወሲኹ ዘመልከተ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ሕጊ ሃገራዊ ባንክ ብምጥሓስን፡ ፍቓድ ዘይብሎም ክንሶም፡ ክሪፕቶካረንሲ ተጠቒሞም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ባጤራ ወጻኢ ዘሰጋግሩ ዝነበሩ ውልቀሰባት ውን፡ ስጕምቲ ከምዝተወሰደ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ትካል ጸጥታ ኢትዮጵያ: ንዝወሰዶ ስጉምዪ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስሊ መንነት ሓያሎ ጥርጡራትን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ገበነኛታትን ናብ ህዝቢ ብምቅላዕ፡ ዝተጀመረ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ስርሒት ክቅጽል ምኳኑ”ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።