ኣመሪካ ካብ 1995 ጀሚራ ዓመታዊ ክተካይዶ ዝጸንሐት ናይ ግሪን ካርድ ሎቶሪ DV ብምምሕዳር ትራምፕ ደው ምባሉ ተገሊጹ።
እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ብዝተፈጸመ ጃምላዊ ተዂሲ ክልተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ዝሰዓበ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብናይ DV ዕድል ናብ ኣመሪካ ዝግበር ዝነበረ ናይ ጉዕዞ ፕሮግራም ደው ክብል ምእዛዙ”ዩ ዝገልጽ።
እቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዝተጠርጠረን፡ ብቅድሚ ትማሊ ሓሙስ ሞይቱ ዝተረኽበን ፖርቹጋላዊ፡ ኣብ 2017 ዓመተምህረት ዲቪ ተዓዊቱ ናብታ ሃገር ከምዝኣተወን፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ከምዝረኸበን ይፍለጥ ኮይኑ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ነዚ ስዒቡ ዲቪ ደው ክብል ምእዛዙ”ዩ ዝንገር።
ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ክርስቲ ኖኣም፡ ድሕሪ ሕጂ ኣመሪካውያን በዚ ዘስካሕክሕ መደብ ከምዘይጉድኡ ንምርግጋጽ፡ እቲ መደብ ቪዛ ብትእዛዝ ትራምፕ ንግዚኡ ከምዝተቛረጸ ዝገለጸት ኮይና፡ እቲ ክላውድዮ ኔቬስ ቫለንተ ዝተባህለ ወዲ 48 ዓመት ፓርቹጋላዊ ጥርጡር፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ንፕሮፌሰር ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹሰትስ ኑኖ ሉረሮ እውን ቀቲልዎ ዝብል እምነት ከምዘሎ’ዮም ሰብመዚ እታ ሃገር ዝገልጹ።
ናይ ዲቪ ሎተሪ ፕሮግራም፡ ዓመታዊ 50 ሽሕ ቪዛ ንዜጋታት ናይተን ኣብ ኣመሪካ እኹል ቁጽሪ ስደተኛታት ዘይብለን ሃገራት ክወሃብ ከፍቅድ ዝጸንሐ መደብ ኮይኑ፡ ኣመሪካዊ ዜግነት ንምርካብ’ውን መንገዲ ዘጥጥሕ ኣማራጺ ኰይኑ ምጽንሑ”ዩ ዝንገር።
ቅድሚ ሕጂ ውን ብተመሳሳሊ፡ ብሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሸሞንተ ሰባት ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ድሕሪ ምቕታሎም፡ ትራምፕ ዲቪ ደው ንክብል ከምዝተቃለሰ፡ ክርስቲ-ኖኣም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝሓበረት ኮይና፡ እቲ ደጋፊ ‘እስላማዊ ጉጅለ’ ዳዕሽ ዝኾነን፡ ብተደጋጋሚ ግዜ ንሕልፈት ዝተፈርደን ተወላዲ ኡዝበኪስታን፡ ብመሰረት መደብ ዲቪ ናብ ኣመሪካ ዛኣተወ ምኳኑ”ያ ወሲኻ ትገልጽ።