ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ዓብዱልሓሚድ ድበይበ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሊብያ መሓመድ ዓሊ ኣሕመድ ኣል-ሓዳድን፡ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባትን ዝጸዓነት ነፋሪት፡ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ቱርኪ ኣንካራ ብዘጋጠመ ሓደጋ ድሕሪ ምሕምሻሻ ከምዝሞቱ ገሊጹ።
እታ ንሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ሊብያ መሓመድ ዓሊ ኣሕመድ ኣል-ሓዳድን ካልኦት ኣርባዕተ ሰባትን ዝጸዓነት ነፋሪት፡ “ፋልኮን 50” ዝተባህለት ናይ ንግዲ ጀት ምንባራ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ካብ ከተማ ኣንካራ ተበጊሳ ናብ ሊብያ ኣብ እትጓዓዘሉ ዝነበረት እዋን፡ ርሑቅ ከይከደት ሬድዮ ርክብ ከምዘቋረጸትን፡ ጸኒሓ ምሕምሻሻ ከምዝተረጋገጸን”ዩ፡ ማዕከን ሓበሬታ TRT WORLD ዝገልጽ።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እታ ነፋሪት ከባቢ ሰዓት 8፡10 ድሕሪ ቀትሪ ከምዝተበገሰትን፡ ድሕሪ ናይ 42 ደቃይቅ በረራ ግን ናይ ርክብ ሬድዮ ከምዘቋረጸትን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሬድዮ ርክብ ናይታ ነፋሪት ቅድሚ ምቁራጹ፡ ኣብ ከባቢ ኣንካራ፡ “ሃይማና” ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ናይ ሓደጋ መዕርፎ ነፈርቲ ብህጹጽ ንክትዓልብ፡ ሕቶ ኣቅሪቦም እኳ እንተነበሩ፡ ይኹን እምበር ብሰላም ክትወርድ ከምዘይከኣለትን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣዛዚ ሰራዊት ሊብያ መሓመድ ዓሊ ኣሕመድ ኣል-ሓዳድ፡ ምስ ቱርካዊ ወተሃደራዊ መዛኑኡ ንምዝርራብ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን እዚ ናብ ቱርኪ ከምዘምርሐ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ድሕሪ”ቲ እቲ ኣብ ከባቢ ኣንካራ ዘጋጠመ ሓደጋ ግን፡ ሊብያ ኩሎም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብሓደጋ ምሳኣና”ዩ ዝንገር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ዓብዱልሓሚድ ድበይበ ኣብ መግለጺኡ፡ ብሞት ኣዛዚ ሰራዊት ሊብያ መሓመድ ዓሊ ኣሕመድ ኣል-ሓዳድን ብጾቱን ዝተሰምዖ መሪር ሓዝን ብምግላጽ፡ ንህዝቢ ሊብያ ናይ ሓዘን መዓልታት ምእዋጁ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ብዘይካ ሞት እቶም ኣብታ ነፈሪት ዝነበሩ ሰበስልጣን እታ ሃገር ግን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኩነታት ሓደጋ እታ ነፋሪት ይኹን፡ ኩነታት እቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ዝኮነ ይኩን ተወሳኺ ሓበሬታ ዘይምህላዉ”ዩ ዝንገር።