ኣብ ቀረባ እዋን ሓባራዊ ናይ ባንክ ውፍሪ ዝመስረታ ሃገራት ማሊ፡ ኒጀርን፡ ቡርኪናፋሶን፡ ሓባራዊ ናይ ጸጥታ ሓይሊ ንምምስራት ተገሊጹ።
እቲ “ሳሕል” ተባሂሉ ዝተሰየመ ሓባራዊ ናይ ጸጥታ ሓይሊ፡ ካብ ናይ ሰለስቲኤን ሃገራት ሰራዊት ተዋጺኡ ዝተዳለወ፡ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ናይ ጸጥታ ሓይሊ ኮይኑ ከምዝቀውም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እዚ ሰለስተ ሃገራት ካብ ኢኮዋስ ብምውጻእ ዝመስረተኦ ናይ ጸጥታ ኪዳን፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ዕልዋ መንግስቲ ብምፍጻም ስልጣን ማሊ ዝሓዘ ጀነራል ጎታ፡ ኣቦወንበር ኮይኑ ከምዝመርሖ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ጀነራል ጎታ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብወገኑ፡ እቲ ስሉሳዊ ኪዳን ኣብ ዞባ ሃገራት ሳሕል ግብረሽበራ ንምስዓር ዝተገብረ ስትራተጂካዊ ጥምረት ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ሰለስቲአን ሃገራት ማሊ፡ ኒጀርን፡ ቡርኪናፋሶን ዝርከባሉ ዞባ ሳሕል፡ ሓደ ካብቶም ከም ምንጪ ግብረሽበራ ዝፍለጡ ኣሰከፍቲ ከባቢታት ምኳኑ፡ ተደጋጋሚ ግዜ ክንገር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሰራዊት ሰሌስቲን ሃገራት ብተመሳሳሊ፡ ብጀነራል ዳውድ ትራኦረ ናይ ቡርኪናፋሶ ክምራሕ ከምዝኮነ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ጎረባብቲ ሃገራት ማሊ፡ ኒጀርን፡ ቡርኪናፋሶን፡ ኩለመዳያዊ ውህደት ንምግባር ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሐን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዓቢ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናይ ሰለስቲኤን ሃገራት ናይ ኮንፈደሬሽን ሕብረት ዓወት እንተኣመዝጊቡ፡ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ክጸሉ ምኳኑ”ዩ ዝግመት።