ቻይና ዘፍረየቶ ናይ ባዮሜትሪክ ዘመናዊ መሳርሒ ካብ ስራሕ ወጻኢ ብምኳኑ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዝፈለመ ናይ 2026 መስርሕ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ፡ ከምዝተሰናከለን፡ እቲ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ደው ኢሉ ከምዝወዓለን ተገሊጹ።
ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝፈለመ ናይ 2026 ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ፕረዚደንታውን ባይቶኣውን ምርጫ ቀዲማ ከምዘካየደት ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ መንነት ወሃብቲ ድምጺ ንምርግጋጽ ዝተዳለወ፡ ፍርያት ቻይና ምኳኑን ዝተገልጸ ናይ ባዮሜትሪክ መሳርሒ ደው ብምባሉ፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር ድው ክብል ከምዝተገደደ’ዩ ማዕከን ሓበሬታ ኢስት ኣፍሪቃ (East africa) ዝገልጽ።
እቲ ናይ ባዮሜትሪክ መሳርሒ፡ ኣሰር ኣጻብዕ ወይ ትርኢት ገጽ መረጽቲ ብምርኣይን ንምርግጋጽ ዝተዳለወ ምዃኑ፡ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ዘመናዊ መሳርሒ፡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ድሕሪ ምኳኑ ግን፡ ኡጋንዳ ናብ ልሙድ ናይ ኢድ (ማኑዋል) ኣሰራርሓ ተመሊሳ፡ ምርጫ ክትገብር ከምዝተገደደት’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ግዜ ምርጫ 2021 እውን፡ እቲ ናይ ባዮሜትሪክ ዘመናዊ መሳርሒ፡ ንተወሰኑ ሰዓታት ስራሕ ኣቋሪጹ ከምዝነበረን, ድሒሩ ብዝተገብረሉ ጽገና ግን ስራሕ ከምዝጀመረን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ተደጋጋሚ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ባዮሜትሪክ ብልሽት፡ ድምጺ ንምጥፍፋእ ዝዓለመ ስልቲ ክኸውን ይክእል”ዩ ዝብል ግምት ንክዓቢ ጌሩ ምህላዉ”ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።
ብሰንኪ”ቲ ዘጋጠመ ቴክኒካዊ ብልሽት፡ ትማሊ ሓሙስ 15 ጥሪ ጥራሕ፡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት እታ ሃገር፡ ናይ ድምጺ ምርጫ ነቁጣታት ገዲፎም ነናብ ገዞኦም ክኸዱ ከምዝተራእዩ እዩ፡ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ናይ 2026 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ ንምክያድ፡ ኣስታት 109 ሽሕ ናይ ባዮሜትሪክ መሳርሒታት ከምዝቐረቡ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዩዌሪ ሙሴቬኒ፡ ኣሰር ኣጻብዕ ብምሃብ ብመንገዲ ናይ ባዮሜትሪክ መሳርሒ መንነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ እቲ መሳርሒ ክሰርሕ ከምዘይከኣለ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ድሒሩ ግን ዓሸራ ናይቲ ፕረዚደንት ብትርኢት ገጽ ክረጋገጽ ከምዝኸኣለን፡ እቲ ኩነታት ጥርጣረ ምፍጣሩን”ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ዘመናዊ ናይ ባዮሜትሪክ መሳርሒ ብዘጋጠመ ብልሽት፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ በቲ ዝተመደበሉ ሰዓት ክከናወን ከምዘይከኣለ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኩሎም ኣብ መስርዕ መውሃቢ ድምጺ ዘለዉ መረጽቲ ዜጋታት፡ መሪጾም ካርዶም ክሳብ ዝህቡ፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ ክናዋሕ ተገዲዱ ምህላዉ’ዩ ጸብጻብ ዘ ኢስት ኣፍሪቃ (The East African) ዝገልጽ።