ትማሊ ሰኑይ 26 ጥሪ 2026፡ ፍሉይ ሽሙ ማይ-ዳጉሻ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ግምባር ጠለምት፡ ካብ ኣርሚ 11 ምዕራብ ግምባር ኮር 113 ዝተዋጽኡ፡ ኣባላት ደደቢት ክፍለ-ሰራዊት ምኳኖም ዝተነግረሎም ዕጡቃት ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያ ግጭት ከምዝተፈጥረን፡ ንሓጺር እዋን ዝቀጸለ ምልውዋጥ ቶክሲ ምንባሩን ተገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ዝተወለዐ ግጭት ምዕራብ ትግራይ ንምእታው ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ናይ’ቲ ከባቢ ብምውህሃድ ድሕሪ ዝወሰድዎ ግብረ መልሲ ግን፡ እቲ ቶክሲ ክቅጽል ከምዘይከኣለን፡ እቲ ብወገን ትግራይ ዝመጸ ሓይሊ ውን ከምዝተበታተነን’ዩ ዝንገር።
ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ምልውዋጥ ቶክሲ፡ ኣዘዝቲ እቲ ናብ’ቲ ከባቢ ዝወፈረ ክፍለ-ሰራዊት ኢዶም ክህቡ ከምዝተገብረ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣዛዚ ደደቢት ክፍለ-ሰራዊትን
ሓላፊ ሎጀስቲክ ናይቲ ክፍለ-ሰራዊት ዝርከብዎም፡ ምሩካት ውን ኢዶም ምሃቦም’ዩ ወሲኲ ዘረድእ።
ካብ’ዚ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ግንባር ዝነበረ ብርክት ዝበለ ናይ ውግእ ኣጽዋርን ንብረትን ውን፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኢትዮጵያ ምእታዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡
3 ከቢድ ብረት (ዶሽካ)
3 ማእከላይ ብረት (ብሬን)
20 ክላሽንኮቭ ጠበንጃን፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ሞርታር ተተኮስትን ጥይታትን ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዉ’ዩ ዝገለጽ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ከባቢ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ሓይልታት ጸጥታ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሂወት ሰብ ዝወረደ ክሳራ ኣሎ ዲዩ የለን ግን፡ ዛጊት ዝኮነ ይኹን ሓበሬታ ኣይተረኽበን።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብውድብ ህወሓት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዛኣተወ ጀነራል ጉዑሽ ገብረ (ፈንቅል)፡ ናብ ኤርትራ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ዕጫ ይጽበዮ ምህላዉ ወሃቢ ቃል TPF ነበር ኣቶ ተስፋይ ንጉሰ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል TPF ነበር ኣቶ ተስፋይ ንጉሰ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ሬድዮ መናከርያ ምልከታ ፕሮግራም ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኮይኑ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ኢትዮጵያን-ኤርትራን ዝንቀሳቐስን “ኣርሚ 15” ዝመርሕ ዝነበረ ጀነራል ጉዑሽ ገብረ (ፈንቅል)፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ህወሓት ምህላዉን፡ ናብ ኤርትራ ክሰጋገር ዘሎ ተኽእሎ ውን ዓቢ ምኳኑን’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ወሃቢ ቃል TPF ነበር ኣቶ ተስፋይ ንጉሰ፡ ኣቀድም ኣቢሉ ውን እቲ ብህወሓት ዝህደን ዘሎ ጀነራል፡ ኢዱ ክህብ ከምዝኽእል ኣንፈት ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ሕጂ ብዝበጽሓና እዋናዊ ሓበሬታ ግን፡ ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ፈንቅል፡ ምእሳሮም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ተኣሲሩ ናብ ኤርትራ ዝሰጋገረሉ ዕድል ውን ይዓቢ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ጀነራል ጉዑሽ ገብረ ፈንቅል፡ ቅድሚ ዝተወሰነ መዓልታት ብሓይልታት ጸጥታ ካብ በረካታት ትግራይ ተሃዲኑ ምስዋሩ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ህወሓት ናብ ኤርትራ ኣሕሊፋ እንተሂባቶ፡ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዘውርዶ ዕንወትን ዝፈጥሮ ክሳራን ቀሊል ክኸውን ከምዘይኮነ”ዩ ዝገልጽ።