ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝሓለፈ ቀዳም 14 መጋቢት 2026 ምስ ማዕከን ዜና NBC ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ቃለ መሕተት፡ ኢራን ምስ ኣመሪካ ስምምዕ ንምግባር ድሌት እኳ እንተለዋ፡ ንሱ ግን ስምምዕ ንምግባር ድሉው ከምዘይኰነ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ቃለመሕተት ንምኽንያት ውሳኑኡ ከረድእ ዝፈተነ ትራምፕ፡ እቲ ዘሎ ነጥብታት ምስ ኢራን ናብ ሓደ ስምምዕ ንምብጻሕ እኹል ከምዘይዀነ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ በዚ ምኽንያት ኣመሪካ ንዘተ ድልውቲ ከምዘይትኸውን’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ዝቀረበ ነጥብታት እንታይ ምኳኑ ከብርህ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ፍቃደኛ ከምዘይኮነ ወሲኹ ዝገለጸ ትራምፕ፡ ኢራን ዩክለር ናይ ምምዕባል መደባታ ከተዕንዎ ዝሓትት ሓደ ነጥቢ ግን፡ ኣብ’ቲ ዝርዝር መረዳዲኢ ነጥብታት ምህላዉ’ዩ ዘረድእ።
ትራምፕ ኣብ ቃል መሕተቱ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለም፡ ጸጥታዊ ድሕነት መጻብቦ ሆርሙዝ ንምውሓስ እጃመን ከበርክታ፡ ዘለወን ድልውነት ኣረጋጊጸን ምህላወን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እተን ሃገራት በዓል መን ምዃነን ክገልጽ ኣይተሰምዐን።
ምስ’ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ከተማ ባቕዳድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብሚሳይል ድሕሪ ምህራሙ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ዜጋታቱ ብህጹጽ ካብ ዒራቕ ክወጹ ሓድሽ መጠንቀቕታ ከምዝሃበ ተፈሊጡ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ናይ መጠንቀቕታ መግለጺ፡ ዜጋታት ኣመሪካ ካብ ዒራቕ ብህጹጽ ክወጹ ዝኣዘዘ ኮይኑ፡ ኣብ ዒራቕ ክጸንሑ ዝመረጹ ዜጋታት ኣመሪካ ከኣ፡ ምስ ኢራን ምትእስሳራት ዘለዎም ግብረሽበራውያን ጉጅለታትን ምልሻታትን ከብጽሕዎ ንዝኽእሉ ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጥንቃቐ ከዘውትሩ’ዩ መኺሩ ዝርከብ።
ኢራን፡ ኣብ መላእ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ዕላማታት ኣመሪካ መጥቃዕታ ድሕሪ ምጅማራ፡ ኣመሪካ ዜጋታታ ካብ ልዕሊ ደርዘን ዝኮና ሃገራት ማእከላይ ምብራው ክወጹ ምሕታታ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ትማሊ ቀዳም ብተመሳሳሊ፡ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣዝማድ ሰራሕተኛታት መንግስትን፡ ንህጹጽ ካብ ዖማን ትእዛዝ ምሕላፋ ውን ዝዝከር እዩ።