ኢራን ነቲ ዓበይቲ ናይ ንግዲ መራኽብ፡ ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢለን ካብን ናብን ህንዳዊ ውቅያኖስን ማእከላይ ባሕርን ዝሓልፋሉ ኣገዳሲ መስመር ባብ ኤልመንደብ ክዓጽዎ’የ ምባላ ከቢድ ስጋኣት ፈጢሩ።
ባብ ኤልመንደብ ብምብራቕ ምስ የመን፡ ብምዕራብ ምስ ጅቡትን ኤርትራን ዝዳወብ ኣገዳሲ መተሓላለፊ መስመር ምኳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኢራን ኣብ መወዳእታ ለካቲት ኣንጻር ኣመሪካን እስራኤልን ናብ ውሁድ ኲናት ካብ እታኣቱ ንዳሓር ግን፡ ንመስመር ሆርሙዝ ክትዓጽዎ ምውሳና፡ ንብዙሓት ሃገራት ዘይምለስ ሕቶ ኮይንዎም ኮይኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ንባብ ኤልማንደብ ውን ክትዓጽዎ ምኳና ክትገልጽ ምጅማራ፡ ካልእ ተወሳኺ ሓደጋ ከይወልድ ዝስጋእ እዩ።
ኣመሪካ ናብ ኢራን ኣጋር ወተሃደራት እንተዳኣ ኣዋፊራ፡ ካልእ ግንባር ክትኸፍት ምዃና’ያ ኣብ ምጥንቃቕ እትርከብ ኢራን፡ ክወርዳ ንዝክእል ኩሉ ዓይነት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ዓጸፋዊ ግብረመልሲ ንምሃብ ድልውቲ ምህላዋ ክትገልጽ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ጥቡቕ ርክብ ዘለዋ ማዕከን ዜና ታስሚን ብወገና፡ ንወተሃደራውያን ምንጭታት ኢራን ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፡ ባብ ኤልመንደብ ሓደ ካብ ኣገደስቲ መተሓላለፊ መራኽብ ምኳኑን፡ ኢራን ከኣ ኣብ ልዕሊ እዚ መጻብቦ ስግኣት ንምፍጣር ድሌትን ዓቕምን ኣለዋ ዝበለት ኮይና፡ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ፍረ ይርከቦ ከምዘየለ’ዩ ዘረድእ።
ኣመሪካ ንቀንዲ መደበር ነዳዲ ኢራን ዝዀነት ደሴት ኻርግ እንተድኣ ኣጥቂዓ፡ ኢራን ከም ግብረመልሲ ኣብ ልዕሊ ብመስመር መጻብቦ ባብኤል መንደብ ዝሓልፋ መራኽብ፡ ልክዕ ከም ዝቀደመ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ድልውቲ ምህላዋን፡ ከም እተጥቅዕ ዝጠቀሰ እቲ ማዕከን ሓበሬታ፡ ትራምፕን ነታንያሁን ነዚ ብዝግባእ ከይተረዱኡ ናብ ኲናት ዳግማይ እንተኣምሪሖም፡ ከቢድ ሰባኣዊ ዕንወት ክወርድ ከምዝኮነ’ያ ተጠንንቅቕ።
ኢራን ኣብ’ዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጻኣቶ መግለጺ፡ ድሌታት እስራኤልን፡ ምዕራባዊ ዓለምን ንምምላእ ጥራሕ፡ ኢራን እትጽቀጠሉ ኣብነት ከምዘየለ፡ ዘረድእ፡ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ኣውጺኣ ምቅናያ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ትራምፕ ንዘቅረቦ ጠለባት ድሒራ ዝነጸገት ኢራን፡ ናብ ሰለማዊ ዘተ ክትኣቱ፡ ካሕሳ ክወሃባ፡ ውሕስነት ዘላቂ ሰላም ክረጋገጽ፡ ዋንነት ሆርሙዝ ከተረጋግጽን፡ ዝብሉ ነጥብታት ከም ቅድመ ኩነት ኣቀሚጣ ምህላዋ ውን ኣይርሳዕን።