ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ መስኮት መጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻው፡ ወደባት ኢራን ካብ ስራሕ ወጻኢ ምግባራ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኢራን ዝተወስደ ከቢድ ጥሕሰት ልኡላውነት እዩ ክብል ኮኒንዎ።
ኢራናዊ ኣምባሳደር ኣሚር ስዒድ ኦራቫኒ ነዚ ዝገለጸ፡ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ዘይሕጋዊ እገዳ፡ ንመሰረታዊ መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ ብኸቢድ ዝጥሕስ’ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ሉኡላውነት ኢራን ትግህስ ምህላዋ’ዩ ወሲኹ ዝኸስስ።
ዋና ጽሓፊ ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ብወገኑ፡ ኩሎም ተራጸምቲ ሓይልታት፡ ቀንዲ መስመር ዓለምለኻዊ ቀረብ ነዳዲ ኣብ ዝኮነ መስመር ሆርሙዝ፡ ብናጽነት ናይ ምጉዓዝ መሰል ከኽብሩ ዝጸውዐ ኮይኑ፡
ምዕጻው ሆርሙዝ ኣብ ቁጠባ ዓለም ክፈጥሮ ዝክእል ኣሉታዊ ተጽዕኖ፡ ብሓላፍነት ክጥመት ከምዝግቦኦ’ዩ ዝገልጽ።
ብሞንጎኝነት ፓኪስታን፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ኣራክቺ ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ወደባት ኢራን ክዓጽዎ ቀጥታዊ ትእዛዝ ከምዝተዋህበ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ድሕር’ቲ ብትእዛዝ ዶናልድ ትራምፕ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ዋጋ በርሚል ነዳዲ ቅልጡፍ ወሰኽ ከምዘራኣየ ውን’ዩ ዝንገር።
ማእከላዊ እዚ ኣመሪካ (ሴንትኮም)፡ እቲ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ጉዕዞ እገዳ፡ ካብን ናብን ወደባት ኢራን ኣብ ዝንቀሳቀሳ መራኽብ ኩለን ሃገራት፡ ብዘይ ዝኮነ ኣድልዎ ክፍጸም ምኳኑ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ካብ ወደባት ኢራን ወጻኢ ካብ ካሎኦት ሃገራት ንዝመጻ መራኽብ ግን፡ እቲ እገዳ ከምዘይምልከተን’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኢራን ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ፓኪስታን ድሕሪ ምብታኑ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ከምዘይትኸፍቶ ድሕሪ ምግላጻ፡ ኣመሪካ ካብን ናብን ወደባት ኢራን ዝንቀሳቀሳ መራኽብ ከምዘይተሕልፍ ብምግላጽ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ነቲ ወሽመጥ ክኽርድን ምእዛዛ ዝፍለጥ’ዩ።