ሰራዊት ኣመሪካ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ተግባራዊ ድሕሪ ዝገበሮ ናይ ምንቅስቃስ እገዳ፡ ዛጊት ዝዀነት መርከብ፡ ንሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ጥሒሳ ከም ዘይሓለፈት ገሊጹ።
ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ብመሰረት ካብ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ዝተዋህቦ ትእዛዝ፡ ናብ ገማግም ባሕሪ ኢራን ዝጓዓዛን፡ ካብ ወደባት ኤራን ዝብገሳን መራኽብ ኣብ ምህዳን ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ብልክዕ ይፍጸም ምህላዉን፡ ነቲ ሓይልታት ኣመሪካ ዘንበርዎ ኬላ ጥሒሰን ዝሓለፋ መራኪልኽብ ዛጊት ዘይምህላወን’ዩ ወሲኹ ዝጠቅስ።
ካብ ወደባት ካሎኦት ሃገራት ዝብገሳን፡ ናብ ካሎኦት ሃገራት እቲ ወሽመጥ ንምብጻሕ ናብ’ቲ ዕላማ ዝበጽሓን መራኽብ፡ ብሓይልታት ባሕሪ ኣመሪካ ዝኮነ ይኹን መጠንቀቅታ ከምዘይወሃበን ዝገለጸ እቲ ወተሃደራዊ ትካል፡ ትእዛዝ ኣብ ምፍጻም ብንጥፈት ይሰርሕ ምህላዉ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናይ ምንቅስቃስ እገዳ ወሽመጥ ሆርሙዝ ካብ ዝጀመረሉ ዕለተ ሰኑይ ኣትሒዙ ጥራሕ፡ ዛጊት ዓሰርተ መራኽብ ከምዝመለሰን፡ ነቲ ትእዛዝ ጥሒሳ ዝሓለፈት ሓንቲ መርከብ እኳ ከምዘየላን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ወግዓዊ ትእዛዝ ክሳብ ዝመጾ እቲ ተልእኾ ክቅጽል ምኳኑ እዩ ወሲኹ ዘረድእ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን በቲ መጻብቦ ካብ ዝሓልፋ ናይ ንግዲ መራክብ ክትሓቶ ዝጸንሐት ክፍሊት ብምውጋድን፡ ሰደድ ነዳዲ እታ ሃገር ከምዝጎድል ብምግባርን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ጸቕጢ ክገብርን ልዕልና ክሕዝን ተስፋ ከምዘለዎ ዝንገር ኮይኑ፡ እቲ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣብ ቁጠባ ኢራን ከቢድ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣውሪዱ ምህላዉ ውን እዩ ዝንገር።
ኢራን፡ ኣመሪካ ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ምዕጻው ኣፍደገ ሆርሙዝ ብምቅዋም፡ ቅርሰና ወይ ውን ሽፍትነት ባሕሪ እዩ ብምባል ከምዝነጸገቶ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ፡ ወሽመጥ ዖማንን፡ ማያት ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ልዕሊ ዘለዋ መራኽብ ኣመሪካ ናይ ዕላማ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሕነ ከም እትፈዲ ምኳና ምጥንቃቓ ኣይርሳዕን።