ፈረንሳዊት ክለብ ፒኤስጂ ንኢንግሊዛዊት ክለብ ኣረሰናል ረቲዓ ዋንጫ ቻምፒዮንስ ሊግ ምዕታራ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ዓቢ ዓወት እዚ ንምጽንባል ናብ ጎደናታት ዝወጹ ደገፍቲ እታ ክለብ፡ ምስ ፖሊስ ፈረንሳ ናብ ግጭት ድሕሪ ምእታዎም፡ ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝተኣስሩ ተገሊጹ።
እቲ ዕግርግር፡ ደገፍቲ ፒኤስጂ ሓጎሶም ንምግላጽ ናብ ኣደባባይ ድሕሪ ምውጽኦምን ረብሻ ድሕሪ ምፍጣሮምን ዝተላዕለ ኮይኑ፡ ፖሊስ ከተማ ፓሪስ ናብ ጎደናታት ዘዋፈሮም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣኽበርቲ ጸጥታ፡ ምስ ደገፍቲ እታ ክለብ ናብ ጎንጺ ድሕሪ ምእታዎም፡ ብዙሕ ዕንወት ዘውረደ ኩነታት ከምዝተፈጥረ እዩ ዝንገር።
ብመሰረት እቲ ካብ ፈረንሳ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ፖሊስ ከተማ ፓሪስ ምስቶም ደገፍቲ ናብ ግጭት ዛኣተወ፡ ንምንቅስቓስ ኣውቶቡሳትን ባቡርን ክዕንቅፉ ድሕሪ ምጅማሮም ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ፓሪስ ዝተላዕለ ዕግርግር ስዒቡ ኣብ መላእ ከባቢታት እታ ሃገር ብዝተወለዐ ዕግርግርን ናይ ሪቺት ተኩስን፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፖሊስ ሓደጋ ከምዝወረዶም እዩ ዝንገር።
ነቲ ኩነታት ንምቁጽጻር ዝተጸገመ ፖሊስ ከተማ ፓሪስ፡ ናብ ደገፍቲ እታ ክለብ ዘንብዕ ጋዝ ክትኩስ ድሕሪ ምጅማሩ፡ እቲ ዕግርግር ኣዝዩ ከምዝነሃረ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ከምሳዕቤኑ ፖሊስ ፓሪስ ወደብቲ ናይቲ ዕግርግር እዮም ንዝበሎም 400 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ እዩ ዝንገር።
ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት፡ PSG ንኢጣልያዊት ክለብ ኢንተር ሚላን ረቲዓ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ቻምፒዮን ኤውሮጳ ድሕሪ ምኳና፡ ኣብ ሞንጎ ፖሊስን ደገፍቲ እታ ክለብን ከቢድ ዕግርግር ተወሊዑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብ ምዕናው መንግስታውያን ትካላት ክሳብ ተሽከርከርቲ ምቅጻል ዝከደ ዓቢ ዕንወት ብምውራዱ፡ ፖሊስ ከተማ ፓሪስ ብርክት ዝበሉ ደገፍቲ ኣብ ምቅያድ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ።
ደገፍቲ እታ ክለብ፡ ክለቦም ዋንጫ ምዕዋታ ኣብ ዘረጋገጸትሉ ሰዓት፡ ናብ ጎደናታት ወጽዮም ጽንብል ምጅማሮም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ካብ ቅድሚ ጸወታ ጀሚሩ ኣብ ስታድዩም ዴፕራንስ ዝጀመረ ዕግርግር ተጓሃሂሩ፡ ሽዱሽተ መካይን፡ ክልተ ትካላት ንግድን ሓደ መጽበዪ ኣውቶቡስን ጉድኣት ከም ዝበጽሖም’ዩ ፖሊስ ፓሪስ ዝገልጽ።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ከም ዝገለጾ፡ በቲ ዕግርግር ምክልኽንያት 416 ሰባት ተኣሲሮም ምህላዎም፡ ካብኣታቶም እቶም 280 ደገፍቲ ኣብ ፓሪስ ዝተታሕዙ ምኳኖምን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ውን ተጎዲኦም ምህላዎምን፡ እቲ ዕግርግር “ብፍጹም ተቐባልነት ከምዘይብሉን’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣኽራሪት የማነይቲ ፖለቲከኛ ማርያ ላ ፔን ብወገና፡ ናይ ኩዕሶ እግሪ ክለብ ክትዕወት ከላ ዕግርግር ዝለዓል፡ ኣብ ፈረንሳ ጥራሕ እዩ ብምባል፡ ንስርዓተ ጸጥታ እታ ሃገር ዝነቀፈት ኮይና፡ ዜጋታት ሓደጋ ከይበጽሖም ፈሪሞም ካብ ገዞኦም ዘይወጹ፡ ኣብ ፈረንሳ ጥራሕ እዩ ክትብል ብምውሳኽ፡ ቅሬታኣ ገሊጻ።
ተጻወትን ስታፍ ምሕደራን ክለብ ፒኤስጂ፡ ትማሊ ናብ ዝተፈላለዩ ጎደናታት ከተማ ፓሪስ ብምውጻእ፡ ነቲ ዝተረኽበ ዓወት ምስ ደገፍቶም ብምኳን ዝጸንበሉ ኮይኖም፡ ኣብ ከባቢ ኣይፍል ታወር ናብ ዝርከብ ቻምፕ ደ-ማርስ ድሕሪ ምብጽሖም ውን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢማኑኤል ማክሮን ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ብምክያድ፡ ንዓወቶም ናይ ክብሪ ኣፍልጦ ሂቡ።
ዓሚ ከምዚ ሎሚ ፒኤስጂ ንፈለማ ግዜ ዓወት ቻምፕዮንስ ሊግ ድሕሪ ምዕታራ ብዝተላዕለ ዕግርግር፡ ሓደ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ዝርከቦም ክልተ ሰባት ሂወቶም ምሳኣኖም ዝዝከር እዩ።