ቀዳማይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴራላዊት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ነበር ጄኔራል ሳሞራ የኑስ፡ ንእዋናዊ ኩነታት ፖለቲካን ጸጥታን ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት፡ ኣብ ትግራይ ብህውሓት ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት፡ ፍጹም ዘይፍትሓውን ሕጋዊ ተቀባልነት ዘይብሉን ምኳኑ ገሊጹ።
ጄኔራል ሳሞራ የኑስ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ’ቲ ምስ መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን፡ ኣገልግሎት ፕሮግራም ትግርኛ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ኮይኑ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብህወሓት ይኹን፡ ብሽም ኣቶ መለስ ዜናዊ እንዳተወከሉ ዝካየዱ ዘለዉ ምንቅስቓሳት፡ ደው ክብሉ ከም ዘለዎምን ሕጋዊ ኣፍልጦ ከምዘይብሎምን ገሊጹ።
ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተተኽለ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምፍራስ፡ ናተይ ምምሕዳር ኣቁመ ኣለኹ ዝብል ኣካይዳ ዝነቐፈ ጄኔራል ሳሞራ የኑስ፡ እቲ ብናይ ህውሓት ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት፡ ፍጹም ዘይሕጋውን፡ ተቀባልነት ዘይብሉን ምዃኑ’ዩ እዩ ዝገልጽ።
እዚ ጉጅለ እዚ፡ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ተኣኪቡ ዝወሰኖ ውሳነ፡ ሕጋውነት ዘይብሉ ምስረታ መንግስቲ እዩ ክብል፡ ህወሓት ንዝወሰዶ ስጉምቲ ዝኮነነ ጄኔራል ሳሞራ የኑስ፡ ጉጅለ ክብል ዝገለጾ ውድብ ህወሓት፡ መጀመርታ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ቀጺሉ ከኣ ብሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ ንዝምርሑ ግዝያዊ ምምሕዳራት፡ ስርሖም ከይሰርሑን ንህዝቢ ናብ ምርጫ ከይወስዱዎን ከም ዝዓግቱ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ኣብ መወዳእታ ውን ማሕተምን መሳርሒ ስራሕን ብምምንጣልን መንግስቲ ብምፍራስን፡ ናይ ምስጓግ ተግባር ከም ዝተፈጸመ ብምጥቃስ እዩ ንህውሓት ዝኩንን።
ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ፖለቲከኛታት፡ ቀንዲ ዕላሞኦም ስልጣን ምዃኑ፡ ስልጣን ዝደልዩሉ ዘለዉ እንኮ ምኽንያት ከኣ, ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ጥራሕ ምዃኑን ዝገለጸ ጄኔራል ሳሞራ የኑስ፡ መንግስቲ ፌዴራል ነቲ ጉዳይ እዚ ንምፍታሕ፡ ትዕግስትን ሰላማዊ መንገዲን ምምራጹ ብምምስጋን፡ ንኣካይዳ መንግስቲ ፈደራል ንኢዱ።
ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ዝተፈረመሉ እዋን፡ ህዝቢ ትግራይ ልዑል ሓጎሱ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብቲ ክልል ዘለዉ ፖለቲከኛታት ግና፡ ናብ ቅድድም ስልጣን ከም ዘምረሑ ዝከሰሰ ጄኔራል ሳሞራ ወሲኹ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ግፋ መንእሰያት፡ ካብ ጥንታዊ ስትራቴጂ ተግባራት ቃልሲ ሻዕቢያ ዝተቐድሐ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብውልቀመላኪ ኢሰያስ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኢትዮጵያ ናይ ምርባሽ ስትራቴጂኡ ከም ዘይቀየረ’ዩ ዝጠቅስ።
ባጀት መንግስቲ ፌዴራል እናወሰድካ፡ ንመንግስቲ “ጸላኢ” ኢልካ ምጽዋዕ ጌጋ ምዃኑ ዝጠቐሱ ጀነራል ሳሞራ፡ መራሕቲ ህወሓት “ድሕሪ ምርጫ መንግስቲ ክወግኣና” እዩ ዝብል ፕሮፓጋንዳ፡ ንምግፋፍ መንእሰያት ይጥቀሙሉ እኳ እንተለዉ፡ ብኣንጻሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ብውግእ ናይ ምፍታሕ ድልየት ከም ዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ።
ጀነራል ሳሞራ ኣስዒቡ፡ ናብ ህዝቢ ትግራይን ንወለድን ዘቅነዐ ጻውዒት ዘቅረበ ኮይኑ፡ ስግኣት ወለዲ ዝኾነ ግፋ መንእሰያት ንምግታእ፡ ወለዲ ተወዲቦም ክቃወሙ ከም ዘለዎምን፡ “ደቅና ኣይንህብን” ኢሎም ክቃለሱ ከም ዝግባእን እዩ ዘተሓሳስብ።
ኣብ መደምደምታ፡ ህዝቢ ትግራይ ከይመርጽ ክኽልከል ከም ዘይብሉን፡ ብዝመረጾ መራሒ ናይ ምምሕዳር መሰሉ ክኽበረሉ ከም ዝግባእን ዝገለጸ ጀነራል ሳሞራ የኑስ፡ ቀንዲ ውሕስነት ህዝቢ ትግራይ፡ ባዕሉ ህዝቢ ትግራይ ጥራይ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።