ንሞትን ስቃይን ዝተሓጽዩ መበል 39 ዙርያ ግዱድ ሃገራዊ ኣግልግሎት፥ ንዝውሃቦም ትእዛዝ ክትግብሩ ድሉዋት ክኾኑ መምርሒ ተዋሂቦም።
ካብ 1994 ጀሚሩ ኣዛዚ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት መዓስከር ሳዋ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ኮለኔል ደበሳይ ግደ ብ3 ነሓሰ ንኣባላት 39 ዙርያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: “መንግስትና ዘድልየኩም ቀሪብልኩም ስለዘሎ: ስነኣእምሮኣውን ኣካላውን ምድላዋት ወኒንኩም ልኡላውነት ሃገርኩም ከትከላኸሉን ክትሃንጹን ኣለኩም” ኢሉዎም።
ጉጅለ ህግደፍ ዋላ’ኳ ንመደበር ታዓሊም ሳዋ: መንእሰያት ትሃንጽን ብሩህ መጻኢኦም ተውሕስን ምዃና ብቀጻሊ ከእምን ይጽዓር: ብተግባር ግን ሳዋ ዕድላት መንእሰያት ኤርትራ ዝሓሸሸትን ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ዘህለቐትን ስድራቤታት ዝበታተነትን ናይ መሬት ገሃነብ ኢያ።
መንእሰያት ኣፍረይትን ተኸላኸልቲ ልኡላውነት ሃገሮም ክኾኑን: ኣብ ሕቑፊ ወለዶምን ማሙቕ ቤቶምን ተኾስኲሶም ምስ ዝዓብዩን ገደብ ግዜ ዘለዎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስዝሳተፉን ኢዩ።
እቶም ብቀጻሊ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ክዛዝሙ ተባሂሎም ናብ መደበር ታዓሊም ሳዋ ዝኸዱ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት: “መሕለፊ ነጥቢ ኣይረኸብኩምን” ተባሂሎም ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ውትህድርናን ጉልበት ስራሕን ስለዝጽመዱ ሰብኣዊ መሰሎም ይግሃስን ክስደዱ ይግደዱን።
ኣብ’ቲ ካብ መወዳእታ 2020 ክሳብ 2022 : ሰልፊ ብልጽግና ንምድሓንን ኢትዮጵያ ከይትበታትንን ተባሂሉ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ዝሃለቑ ዝሰንከሉን ዝተማረኹን ኣሽሓት ኤርትራውያን: ስድራቤቶም ብወግዒ ኣይተረድኡን ክብሪ”ውን ኣይረኸቡን።
ስድራቤታት: ሃለዋትን መስዋእትን ደቆም ክሕበሮም ብቀጻሊ’ኳ እንተሓተቱ: ብቃንዛ ህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ ግን: ሰልፊ ብልጽግና ካብ ስልጣን ክሳብ ዝእለ ኣብ ኲናት ትግራይ ናይ ዝሞቱ ከምዘይንገር’ ዩ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ: ጉጅለ ህግደፍን ህወሓትን ብስም ጽምዶ ልፍንቲ ብምፍጣር ኣንጻር ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምፍጣጥ: እዞም ናብ ሳዋ ወሪዶም ዘለዉ መበል 39 ዙርያ እውን ዕጫ ናይ ዝቀደሙ ዙርያታት ኣብ ኲናት ከይጥበሱ ኣብ ስድራቤታት ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።