ሓይልታት ጽምዶ ኣብ ከባቢ ዓዲ ግራት መጠነ ሰፊሕ ግፋ የካይዱ።
ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ብሓይልታት ጽምዶ ዝፍለጡ ናይ ህወሓትን ህግደፍን ሰራዊት፡ ኣብ ከባቢታት ዓዲ ግራት ዝተወሃሃደ ግፋ ኣብ ምክያድ ምህላዎም ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራትን ከባቢኣን ዝረአ ዘሎ ናይ ግፋ መደባት፡ ንሸነኽ ሰሜናዊ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት፡ ጉለመኸዳ፡ ምድሪ ሪባን ሰበያን ካልኦት ከባቢታት ውን፡ ሓይሉ ክረአ ምቕናዩ ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ መንእሰይ እቲ ከባቢ ካብቲ ናይ ሃድን ተግባራቶም ንምምላጥ፡ ዝኸኣለ ናብ ኣዲስ ኣበባን ስደትን፡ ዘይከኣለ ከኣ ፈቐዶ ጎቦታትን በዓትታትን ይሕባእ ምህላዉ እዮም ዝገልጹ።
እቲ መጠነ ሰፊሕ ናይ ግፋ ሃድን፡ ጸላም ተጎልቢብካ ዝካየድ ምዃኑ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ መንነት ኣብ ሃድን መንእሰያት ተዋፊሮም ዘለዉ ዕጡቓት ንኸይፍለጥ ተባሂሉ፡ ግፋ ኣብ ዝህልወሉ ሰዓታት መብራህቲ ናይቲ ከባቢ ከምዝጠፍእ ይግበር ምህላዉን፡ ልዕሊ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ብግዴታ ናብ ካምፕታት ይውሰዱ ምህላዎምን እዩ ዘረጋግጽ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ብሸነኽ ሰንዓፈ ዝተበገሳ ሽፉናት ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ንከተማ ዓዲ ግራት ሓሊፈን ብኣንፈት ዕዳጋ ሓሙስ፡ ናብ መቐለ ገጸን ክጉዓዓዛ ከም ዝወዓላ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ብርክት ዝበለ ሓይሉ ናብ ግምባር ቆቦ የጸግዕ ምህላዉ ዝገልጽ ሓበሬታ ዘረጋግጽ ናይ ዓይኒ ምስክርነት ይረአ ምህላዉ’ዮም ዝጠቕሱ ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ከባቢታት ግምባር ቆቦን ወልድያን፡ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ 40 ደቓይቅ ዝወሰደ ግጭት ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌደራልን ሓይልታት ጽምዶን ከምዝተኻየደ ክግለጽ ምቕናዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ግምባር እዚ ፋኖን ህወሓትን ብሓባር የጥቅዑ ምህላዎም፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ተደራቢ ሓይሊ ከኣ ኣቀባባሊ ኣጽዋርን ሎጀስቲክን ብምዃን ፡ ኣብቲ ግምባር ይዋሳእ ምህላዉ እዩ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ብቀዳም 15 ነሓሰ 2026 ብተመሳሳሊ፡ ናብ ክልል ኣምሓራ ከባቢታት ሰሜን ወሎ ዝኣተወ ናይ ህወሓት ሓይሊ ኣርሚ 31 ብድሮን ከምዝተሃርመን፡ በቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ውን ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ሓደጋ ከምዝበጽሖምን ተገሊጹ።
እቲ ብቀዳም ዝተኻየደ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ወሎ ዞን፡ ወትወት ማርያም ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢታት ሰፊሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ኣርሚ 31 ሓይሊ ትግራይ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ በቲ ዝተፈጸመ ከቢድ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ጉድኣት ከምዝወረደን፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ከምዝተበተኑን’ዩ ዝንገር።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ትግራይ ኣርሚ 31፡ ካብ ቅድሚ ሰሙናት ኣትሒዙ፡ ብክልተ ኣንፈት ተመሪሑ፡ [ብኣንፈት ባይባዮ፡ ቢጭሮ፡ ኣማያ፡ ኣቢሉ ናብ ጮቢ-በር፡ ብመሃጎ፡ ጀመዶ፡ ወትወት፡ በዱረይቲ ኣቢሉ ከኣ ናብ ወትወተ ማርያም ኣትዩ ምቕናዩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት መንግስቲ ፈደራል ብዝወሰዶ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሓይልታቱ ከምዝተበታተነ እዩ ዝንገር።