ሓደ ካብ ዓበይቲ ሰበስልጣን ህወሓት ነበር ጀነራል ሳሞራ የኑስ፡ ውግእ ከምዝተወደአ ብምጥቃስ ኣዘዝትን ሰራዊትን ህወሓት፡ ኣጽዋሮም ኣውሪዶም ኢዶም ክህቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ጀነራል ሳሞራ የኑስ ኣብ መግለጺኡ፡ ኲናት ብዘይወግዓዊ መልክዑ ከምዝተዛዘመ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ዕላማ ኣብ ዘይብሉ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ መንእሰያትን፡ ከምኡ’ውን ብዘይ ሓላፍነት ነቲ ኲናት ዝጀመሩ ኣዘዝቲ ህወሓትን፡ ኢዶም ክህቡ’ዩ ጻውዒት ኣቕሪቡ ዝርከብ።
እቲ ውግእ ተወዲኡ እዩ ዝበለ ጀነራል ሳሞራ የኑስ፡ ካብ ሕጂ ንንየው ዝኽፈል ዋጋ ውጺኢት ኣልቦ ምኳኑ ኣብ ቃላቱ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ህወሓት ይኩን ምስቲ ውድብ ተሰሊፎም ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፡ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኢዶም ብምሃብ፡ ሂወቶም ከትርፉ’ዩ ጸዊዑ ዝርከብ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መስመር መቐለ – ሃገረ ሰላም – ዓብይ ዓዲ – ዓድዋን ራማን፡ ውግእ ቀጺሉ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ትማሊ 6 ጥቅምቲ 2026 ኣማስዩኡ ሰራዊት መክልኻል ኢትዮጵያን፡ ሓይሊ ሰላም ትግራይ TPFን፡ ንሃገረ ሰላም ከም ዝተቖጻጸርዋ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ድሒሩ ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ ውን ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ካብ ሃገረ ሰላም ሓሊፉ ንኣግበን ሰለን ዝበሃላ ቦታታት እውን ተቖጻጺሩ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሰራዊት ህወሓት ውን ኣብ ተምቤንን ዓብይ ዓዲን ዝነበረ ሰራዊት ጠቅሊሉ ካብ’ቲ ከባቢ ኣዝሊቁ ምህላዉ’ዩ ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ዘረድእ።
ምስ’ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፡ ካብ ከተማ መቐለ ኣብ ናይ 20ኪሎ ሜተር ርሕቀት ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ሓይልታት ፈደራል ድሕሪ ምእታዉ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ናይ ምሕዳስ ስራሕ ይካየደሉ ምህላዉ ተገሊጹ።
እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ኢድ ሓይልታት ፈደራል ኣብ ዛኣተወሉ ሰዓት፡ እምኒ ተደርብዩዎ ሓሓሊፉ ውን ብማሽን ተኳዒቱ ምንባሩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ብማእከላይ መንግስቲ እታ ሃገር ናይ ዳግመ ህንጻ ስርሓት ይካየደሉ ምህላዉ፡ በዚ መሰረት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ መቐለ በረራታት ንምጅማር ይስራሕ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።