ጉጅለ ህግደፍ፡ ብስም ሃገራዊ ሰሚናራት ገንዘብ ህዝቢ ይዘምት።
ኲናት ብምምሕዳር፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ገንዘብ ምዝማት ዝለመደ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ግጭትን፡ ጽልዉኡ ናብ ኤርትራን ከም ሃገራዊ ስግኣትን ምኽንያትን ብምቕራብ ፡ ብስም ሰሚናራት ገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ ይዘምት ምህላው ተገሊጹ።
ካብ እግሪ ተኽሉ ኣትሒዙ፡ ስልማተይ ንሃገረይ ብዝብል ቀሻሺ ምኽንያት ፡ ባዕሉ ኣብ ዝውልዖ ኲናት ሃብቲ ህዝብና ምዝራፍ ዝለመደ ህግደፍ፡ ድኹም ጎድኒ ህዝቢ መዝሚዙ ብስም ሃገር ከምዝሽቅጥ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም መቐጸልታ ናቱ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ውን ሃብቲ ኣብ ስደት ዘለዉ ዜጋታት ንምዝማት ሃገራዊ ስግኣት ኣብ ሰሚናራት የልዕል ምህላው’ዩ ዝንገር።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣትሒዙ፡ ብመንገዲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ኤምባሲታቱን ህዝባውያን ማሕበራትን ኣቢሉ፡ ህዝቢ ብጉዳይ ሃገር ናብ ሰሚናራት ክቐርብ ዕድመ የቕርብ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሰሚናራት እዚ ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ ምህላዋ ዘረድእ ምኽንያት እንዳቐመጠ፡ ህዝቢ ሃገሩ ብዓቕሙ ክሕግዝ የስገድድ ምህላዉ’ዩ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።
ቁጠባዊ ድኻም ኤርትራዊ፡ ከም ዓቢ ዓወት ንምጽናዕ ምልካዊ ስልጣኑ ጌሩ ዝርዳእ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ገንዘብ ህዝቢ ንምዝማት ከም ዝብገስ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ህዝብና ምስ ሃገሩ ዘለዎ ክቱር ፍቕርን ምድንጋጽን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብይ ክወረና ደልዪ ዝብል ምኽንያት እንዳፈጠረ ህዝቢ ብውልቅን ብደረጃ ትካላትን ገንዘብ ከዋጽእ ይሓትት ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።
እዚ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከብ ህዝቢ ክባጻሕ በብመድረኹ ተሰሪዑ ዘሎ ሰሚናራት፡
ቀንዲ ዕላምኡ ስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ ምጽናዕ ዘኽእል ሕጽበተ ኣእምሮ ምክያድን፡ ሃብቲ ዜጋታት ምዝማትን ኮይኑ፡ ገለ ገለ ሃገራት ገዲፍካ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ዝነብር ዘሎ ህዝብና ኣብቲ ጉጅለ ዝነበሮ ተስፋ እንዳተጸንቀቐ ብምምጽኡ ፡ ብናይ ፓስፖርት ሕቶ ከምዝሰግእ ብምግባር ናብቲ ሰሚናር ክመጽእ ይግበር ምህላዉ’ዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።