ኣብ ዓለምና ዝነውሐ ዓመታት ተሞቚሖም ምስ ዘለዉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ዝርከብ ዳዊት ኢሳቕ፡ ኣብ ሽወደን ልዑል ክብሪ ንዘለዎ ሽልማትን ኣፍልጦን ሓሳብካ ምግላጽን ሰብኣውነትን በቒዑ። እቲ ኤደልስታም ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ክብሪ ፡ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ንሓሳብካ ብነጻ ምግላጽን ሰብኣዊ መሰልን ብዘርኣዮ ትብዓትን ዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእትን ገምጊሙ እዩ ንናይዚ ዓመት ሽልማት ኣብቂዕዎ ዘሎ።
ኣብ ዝመጽእ 19 ሕዳር ኣብ ሃውስ ኦፍ ኖበልቲ ናይ ከተማ ስቶክሆልም ዝካየጽ ጽንብል ምዕዳል ስልማት ፡ ን23 ዓመታት ኣብ ሞቚሕ ህግደፍ ንዘሎ ዳዊት ኢሳቕ ወኪላ ጓሉ ቤትልሄም ኢሳቕ ኽትቅበሎ ምዃና እዉን መማይት ሽማግለ ሓቢራ ኣላ።
ሽልማት ኤደልስታም ንዝኽሪ እቲ ኣብ ተሓላቕነት ሰብኣዊ መሰላት ልዑል ዝና ዘትረፈ ሽወደናዊ ኣምባሳደር ሃራልድ ኤደልስታም ዝዕደል ኾይኑ፡ ናይ ገንዘብን ኣፍልጦን ሞሳ ዘለዎ እዩ። ዳዊት ኢሳቕ ካብ ዝተፈላለያ ተሓለቕቲ መሰላት ሓሳብካ ምግላጽን ሰብኣዉነትን ዛጊት ሓያለ ኣፍልጦን ሽልማትን ረኺቡ ዘሎ እዩ።
ዳዊት ኢሳቕ ነዚ ካብ ሽወደናዊ ትካል ረኺብዎ ዘሎ ኣፍልጦ፡ ነቲ መንግስቲ ሽወደን ብጉዳይ እቲ ዜጋኡ ዝኾነ ጋዜጠኛ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘልዕሎም ሕቶታትን ጠለባትን ክሕይል ዝድርኽ ከምዝኸዉን እዉን ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።
ብምእሳር ጋዜጠኛታት ፡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ : ኤርትራ ንግብጺ መሪሓ ቀዳማይ ደረጃ ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ብቻይና፡ ምያንማር፡ ቤላሩስ፡ ሩስያ ፡ ቬትናምን ኢራንን ጥራይ ተመሪሓ መበል 7ይ ደረጃ ሒዛ ምህላዋ ይፍለጥ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ፍልይ ዘብሎ : እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዓለም እቶም ንዝነውሐ ዓመታት ተኣሲሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ምዃኖን ጥራይ ከይኣክል: ንኣበየ-ህላዌኦም ዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ዘይምህላዉ እዩ።
ፈረንሳ ዝመደበሩ ተሓላቒ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዓመታዊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ እዉን: ኤርትራ ብብዝሒ እሱራት ጋዜጠኛታት፡ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ገና ትመርሐን ከምዘላ ይገልጽ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይ ዝኾነ ክስን ፍርዳዊ መስርሕን ዛጊት ሓዪርዎ ዘሎ ዓሰርተታት ጋዜጠኛታት ነቲ ኣብ ምድቋስ ነጻነት ፕረስ ዝኽተሎ ኣካይዳታት ዘመስክር ከምዝኾነ ዝፍለጥ ኮይኑ : ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል: ኣህጉራዊ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ : ኮሚቴ ንድሕነት ጋዜጠኛታትን ካልኦት ኣህጉራውያን ማሕበራትን ዓመት መጸ ኣብ ዝዝርግሕዎም ጸብጻባት : ንነጻ ፕረስ ኣብ ምቕታል ካብ ዝሰርሑ ዘለዉ ወገናት: ንጉጅለ ህግደፍ ብቐዳምነት’ዮም ክጠቕስዎ ዝረኣዩ።