ዳግማይ ናብ ስልጣን ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ድሮ 5ይ ወርሒ ረጊጹ ዝርከብ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ ኣትሒዙ ግብራዊ ዝኸውን ሓድሽ ናይ መገሻ እገዳ ኣንቢሩ ምህላዉ ኣብ ዝተገልጸሉ፡ ዜጋታት ኤርትራ ናብ ኣሜሪካ ከያኣትዉ በቲ ፕረዚደንት እገዳ ከምዝተነብረሎም ተገሊጹ።
ብመሰረት ሓድሽ ኣዋጅ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዜጋታትን ናብ ኣሜሪካ ከያኣትዋ ዝተኣገዳ ሃገራት ኣፍሪቃ ብቁጽሪ 8 ኮይነን፡ ኤርትራ ምስተን ኣብዚ ቁጽሪ ስመን ዝተጠቅሰ ሃገራት ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ጫድ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኢኳቶርያል ጊኒን ብምስፋራ ናይ ጉዕዞ እገዳ ተነቢርዋ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ዶናልድ ትራምፕ ኤርትራ ንእትርከበ 12 ሃገራት ምሉእ ናይ ጉዕዞ እገዳ ክገብር ዝወሰነ፡ ምስ ሓደጋታት ሃገራዊ ድሕነት ብምትእስሳር ምኳኑ ኣብቲ ሓበሬታ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ኤርትራ ኣብዚ ሓድሽ ናይ መገሻ እገዳ ዝኣተወትሉ ክልተ ዓበይቲ ምኽንያታት፡ ዘይእሙን ሰነዳት ጉዕዞን፡ በዓክትካ ምሕላፍን ምኳኑ”ዩ ጠቂስዎ ዝርከብ።
ኣሜሪካ፡ ንነብሱ ከም መንግስቲ ኤርትራ ዝጽውዓ ጉጅለ ህግደፍ፡ ፓስፖርትን ስቪላዊ ሰነዳትን ኣብ ምሃብ ግቡእ ሕጋዊ መንገዲ ይክተል”ዩ ዝብል እምነት ስለዘይብላ፡ ቅኑዕ መንነት ዜጋታት ንምርግጋጽ ዘጸግምን ስክፍታ ዝፈጥርን ምኳኑ ኣብቲ ኣዋጅ ዝሰፈረ ኮይኑ፡ ብዘይካ’ዚ፡ መዝገብ ገበን ኤርትራውያን ዜጋታት ንኣመሪካ ክፉት ስለ ዘይኰነ፡ ግሉሕ ጸጥታዊ ስክፍታታት ምህላዉ”ዩ ዝግለጽ።
ጉጅለ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ መዳይ ክልታኣዊ ምትሕብባር ዝምስገን ዲፕሎማሲያዊ ድሕረ ባይታ ከምዘይብሉ ኣብቲ ንጉዳይ ኤርትራውያን
ኣርእስቲ ጌሩ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ተጠቂሱ ዘሎ ኮይኑ፡ ናይ ቪዛ ገደብ ግዜ ኣብ ምሕላፍ ውን፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ልዑል መጠን ከም ዘመዝግቡ ብኣሃዛት ኣሰንዩ ዝቀረበ ካላኣይ ዝዓበየ ምክንያት ምኳኑ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ብውልቃዊ ዋኒንሞ ወይ ውን ዓዲ ንክርእዩ ናብ ኣሜሪካ ካብ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ዜጋታት 20.09 ሚእታዊት ከይተመልሱ ክተርፉ ከለዉ፡ ብትምህርቲ ወይ ብካልእ ምክንያት ናብታ ሃገር ካብ ዝኣተዉ ውን ብተመሳሳሊ 55.43 ሚእታዊት ዝቁጽሮም ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ኤርትራ በዚ ግዙፍ ምክንያታት እገዳ ተነብቢርዋ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ድምር እኩብ ናይዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ምክንያታት ኣሜሪካ ኤርትራውያን ዜጋታት ናብ ሃገራ ንከያኣትዉ ምሉእ ብምሉእ እገዳ ከምዘንበረት ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ፡ ንኩሎም”ቶም ብቀዋምን ግዚያውን ምክንያት ናብታ ሃገር ዛኣትዉ ዜጋታት ምሉእ ብምሉእ ክጸልዎም ብምኳኑ”ዩ ኣብ ኤርትራውያን ዜጋታት ድንግርግር ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ወጻኢ የመን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያንማር፡ ሀይቲን ኢራንን፡ ኣብቲ ዝወጸ ሓድሽ ኣዋጅ እገዳ መገሻ ኣስማተን ዝሰፈረ ሃገራት ክኾና እንከለዋ፡
ብኸፊል እገዳ ዝተነብረለን ካልኦት ሸውዓተ ሃገራት’ውን ከምዘለዋ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።