ሓይሊ ኣየር ሱዳን ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ኣብ ዝርከብን ብዳዕመ-ሰሪዕ ዝእዘዝን መዓርፎ ነፈርቲ፡ ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ዝጸዓነት ነፋሪት ኢማራት ዓረብ ከም ዘዕነወ፡ ወግዓዊ ተለቪዥን ሱዳን ኣብ ዝገለጸሉ፡ ኢማራት ዓረብ ብወገና ውጹእ ሓሶት ክትብል ነጺጋቶ።
ሓደ በዓል ስልጣን ኢማራት ዓረብ ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ኢመይል ሓበሬታ እዚ ካብ በዓል መዚ ወደብ ፖርት ሱዳን ዝዝርጋሕ ዘሎ ክስታት ሙሉእ ብሙሉእ ሓሶት እዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ዝዀነ መርትዖ ከምዘይብሉን መቐጸልታ ናይቲ በዓል መዚ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝውክል’ዩ” ክብል”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቭ ፔትሮ ብወገኑ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ኮሎምብያውያን ንምርግጋጽን፡ ሬሳኦም ክምለስ ዘኽእል ኩነታትን ምርግጋጽ ይጽዕር ከምዘሎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ትካላት፡ መግለጺ ፖለቲካዊያን ሰበስልጣን ኣመሪካን ግን እቲ ክስተት ሓቂ ምዃኑ ዝሕብር “እሙን መርትዖ” ጠቒሱ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ሓደ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ወተሃደራዊ ምንጪ ሱዳን ብወገኑ፡ እታ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንያላ – ዳርፉር ዝነበረትን፡ ዋንነት ኢማራት ዓረብ ዝዀነትን ነፋሪት፡ ብቦምባ ተወቒዓ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወት ንFFP ዝሓበረ ኮይኑ፡ እቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ብውልቃዊት ናፋሪት ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ዘጋጠመ ከምዝኮነ”ዩ ዝገልጽ።
እታ ነፋሪት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተበገሰትን፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ኩሎም ወተሃደራት ከም ዝሞቱ ኣብ ጸብጻቡ ዝሓበረ ተለቪዥን ሱዳን፡ ንወተሃደራዊ ምንጪ ሰራዊት ሱዳን ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቶም ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ንዕጡቅ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ንምሕጋዝ ከም ዝመጹን፡ ኣካል ናይቲ ሱዳን ንምብታንን ኲናት ንምንዋሕ ዝካየድ ዘሎ፡ “ናይ ወጻኢ ውዲት” ምዃኑ”ዩ ዝኸስስ።
ወተሃደራዊ ስለያ ሱዳን ምንቅስቓስ ናይታ ነፋሪትን፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንያላ ምስ ዳዕል-ሰሪዕ ዝጸንሖም ርክብን ክከታተል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ መሬት ኣብ እትወርደሉ ዝነበረት ሰዓት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተወስደ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዕሱባት ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ብምምጻእን ብምምዋልን፡ ኣብ ጐድኒ ዳዕመል-ሰሪዕ ብምስላፍ ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ተዕጥቆምን ተዋጎኦምን ከም ዘላ፡ ብሰኑይ ዝወጸ መግለጺ ሰራዊት ሱዳን ከሲሱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ሕቡራት ሃገራት ካብ 2024 ኣትሒዙ ህላወ ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ኣብ ሱዳን ከምዘረጋገጸ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኢማራት ብመንገዲ እቲ ኣብ ንያላ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቢላ ድሮናትን ዘመናዊ ኣጽዋርን ንዳዕመል-ሰሪዕ ክትህቦ ምጽንሓ፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ምክሳስ እኳ እንተጸንሐ፡ ኢማራት ዓረብ ግን ነቲ ካብ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ፖለቲከኛታት ኣመሪካን ኣህጉራውያን ትካላትን ክቐርበላ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ክስታት ክትነጽጎ ምጽንሓ”ዩ ዝንገር።