ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናድል ትራምፕን፡ ሩስያዊ መዘኑኡ ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክራኸቡ ተኽእሎ ከምዘሎ ካብ ክረምሊን ዝወጸ ሓበሬታ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክራኸቡ ከምዝተሰማምዑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ትራምፕ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባሉ፡ ብኣካል ክራኸቡ ዝኽእሉሉ “ኣዝዩ ጽቡቕ ዕድል” ከምዘሎ ገሊጹ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ብ ኣካል ክራኸቡ ከምዝክእሉ”ዩ ሓበሬታ ክረምሊን ዘረድእ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪን መራሒ ሩስያ ብላድሚር ፑቲንን ኣብ ስሉሳዊ ዋዕላ ንክሳተፉ ተሰማሚዖም ድዮም ዝብል ሕቶ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዋይት ሃውስ ዝቐረበሉ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ጽቡቅ ተስፋታት ምህላዉ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ትራምፕ ተስፋ ኣሎ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝርዝር ሓበሬታ ወላ ኳ እንተዘይሃበ፡ እቲ ስሉሳዊ ርክብ ግን ተግባራዊ ክኸውን ተክእሎ ከምዘሎ”ዩ እቲ ካብ ክረምሊን ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቅስ።
ትራምፕ፡ ሩስያ ቅድሚ ናይ መወዳእታ ገደብ ግዜ ቅድሚ ምእካሉ ምስ ዩክሬን ተኹሲ ደው ንምባል ክትሰማማዕ ከምእትግደድ፡ እንተዘይተሰማሚዓ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳ ክገብር ምዃኑ ኣጠንቂቁ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ትራምፕ ዝሃቦ መጠንቀቅታ ኣብቲ ኣብ ሞስኮ ኣብ ሞንጎ ሉኡኽ ኣመሪኻ ስቲቭ ዊትኮፍን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ኣዚዩ ውጺኢታዊ ተራ ከምዝነበሮ”ዩ ዝገልጽ።