ኲናት ኢራን ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ወሽመጥ ሆርሙዝ ብውሳነ ኢራን ተዓጽዩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ትማሊ ግን ዋንነት ፈረንሳ ምኳና ዝተነግረላ ናይ ንግዲ መርከብ፡ ብፍቃድ መንግስቲ ኢራን ንፈለማ ግዜ ብወሽመጥ ሆርሙዝ ክትሓልፍ ከምዝተራእየት ተገሊጹ።
እዛ ኪቢር ዝተሰምየት መርከብ፡ ዋንነት ናይ CMA ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፈረንሳዊ ኩባንያ ምኳና ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ኢራን ወሽመጥ ሆርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ካብ እትዓጽዎ ንንየው፡ ንፈለማ ግዜ ንወሽመጥ ሆርሙዝ ሰንጢቃ ዝሓለፈት መርከብ ክትከውን ከምዝከኣለት እዩ ዝንገር።
እታ መርከብ ካብ ርእሰ ከተማ ዖማን ሙስካት ተበጊሳ፡ ንወሽመጥ ሆርሙዝ ኣቋሪጻ ካብ’ቲ ናይ ኲናት ቀጠና ኮይኑ ዘሎ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ከምዝወጸት ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ጕዕዞኣ ብእተገብረ ክትትል ከኣ ወነንታ ፈረንሳውያንን ምዃኖም ክፍለጥ ከምዝተካእለ እዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።
እታ መርከብ ናብ ግዝኣት ኢራን ቅድሚ ምእታዋ፡ ናይ ፈረንሳ ንብረት ምዃና ንሓይልታት ባሕሪ ኢራን ከም ዘፍለጠት ሓበሬታ AFPን ሮይተርንስ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ካብ ሰብ መዚ እታ ሃገር ናይ ይሕለፍ ፍቃድ ምርካባን ጉዕዛኣ ብሰላም ምክያዳን’ዮም ዝገልጹ።
ኢራን እስራኤልን ኣመሪካን ንዝወልዖ ኲናት ስዒባ፡ ናይ ጸላእተይ መሓዙት’የን ናይ ዝበለተን ሃገራት መራኽብ፡ ብወሽመጥ ሆርሙዝ ከይሓልፋ ምክልካላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እታ ብፈረንሳ እትውነን መርከብ ጽኑዕ ሓለዋ ንዝግበረሉ ወሽመጥ ብሰላም ሰጊራ፡ ብከመይ ድሕንታ ተሓልዩ ከም ዝሓለፈት ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለ ውን ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ እቲ ነዛ መርከብ ዘፍረየ ፈረንሳዊ ኩባንያ እውን፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝኮነ መብርሂ ከምዘይሃበ’ዩ ዝንገር።