ሰራዊት ኢራን ንፍሉይ ተልእኮ ናብ ግዛኣት ኢራን ንዛኣተወት ናይ ውግእ ነፋሪት ኣመሪካ፡ ሃሪሙ ከምዘውደቀ ተረጋጊጹ።
ምምሕዳር ዋይት ሃውስ ንምውዳቕ ናይታ ነፋሪት ብዝምልከት ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ሓበሬታ በጺሕዎ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ሰብ መዚ ናይ’ቲ ምምሕዳር ብተወሳኺ፡ ሓደ ካብ ኣብረርቲ ናይታ ነፋሪት፡ ብሓይልታት ፍሉይ ተልእኾ ኣመሪካ ተረኺቡ ሂወቱ ከምዝደሓነ ንማዕከን ሓበሬታ CBS ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።
እታ ብሰራዊት ኢራን ተሃሪማ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ኣመሪካ፡ ኤፍ-15E ስትራይክ ኢግል’ ተባሂላ እትፍለጥ ነፋሪት ምኳና ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ እታ ኣብ ሰማይን ምድርን ከተጥቅዕ እትክእል ዓባይ ናይ ውግእ ነፋሪት፡ ኣብ ዘመናዊ ናይ ዕላማ ቴክኖሎጂ ሰራዊት ኢራን ድሕሪ ምእታዋ ከምዝተወቅዐት’ዩ ዝግለጽ።
ውሑድ ሰዓታት ድሕሪ ምውዳቅ እታ ነፋሪት፡ ዝተሰባበረ ኣካላት ብመንገዲ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኢራን ናብ ህዝቢ ዝቀረበ ኮይኑ፡ ድሕሪ’ቲ ብምስሊ ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ብርክት ዝበሉ ኣመሪካውያን፡ ትራምፕ ብዝወሰዶ ሓደገኛ ስጉምቲ ኣብ ሃገሮም ንእትከፍሎ ዘላ ከቢድ ዋጋ ክቃወሙ ምምሳዮም እዩ ዝንገር።
ኣመሪካን እስራኤልን ወተሃደራዊ ጥምረት ብምምስራት ኣንጻር ኢራን ዘካይዶኦ ዘለዋ መጥቃዕቲ፡ ድሮ ሓደ ወርሒ መሊኡ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዛ ብሰራዊት ኢራን ተሃሪማ ዝወደቀት ናይ ኣመሪካ ነፋሪት፡ ኣብ ጉዕዞ እንከላ ብዝበጽሓ መጥቃዕቲ ዝተሓምሸሸት ናይ ፈለማ ነፋሪት ምኳና’ዩ ዝንገር።
ቅሉዕ ውግእ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ዝፈለመሉ ናይ መጀመርታ መዓልታት፡ ሰለስተ ተመሳሰልቲ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ መጥቃዕቲ ባሕሬን ተሓምሺሸን ምንባረን ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣመሪካ ትማሊ ካብ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ንዝወጹ ሰራሕተኛታ ኣብ ንምድሓን ዓቢ ስርሒት ምፍጻማን፡ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ኢራን ትሒተን ክበራ ከምዝተራእያን እዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ንዝኾነ ኣባል ናይ’ታ ዝወደቐት ነፋሪት ሒዙ ዘረከበ ኢራናዊ፡ ናይ $50,000 ዶላር ጉንዖ ካብ መንግስቲ ኢራን ክወሃቦ ከምዝኾነ ሰብመዚ እታ ሃገር ቃል ምእታዎም ዝገለጻ ኮይነን፡ ይኩን እምበር ክንደይ ኣባላት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ብንጹር ዝተረጋገጸ ነገር የለን።