ኣመሪካ ነቲ ምስ ኢራን ኣትያቶ ዘላ ተነቃፊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ፡ ባዕላ ተዳኽሞ ምህላዋ ቻይና ከሲሳ።
ቻይና ነዚ ዝገለጸት፡ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኮይኑ፡ ብኣመሪካ ተኣዊጁ ዘሎ ምኽርዳን መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሓደገኛን ዘይሓላፍነታዊን እዩ ድሕሪ ምባላ፡ ተቀባልነት ዘይብሉ ተግባር ብምባል ከምእትኩንኖ’ያ ገሊጻ ትርከብ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ጉዎ ጂያኩን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ንዝጸንሐ ወጥሪ ዘጋድድ፡ ንተነቃፊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ክልቲኤን ሃገራት ውን ዘዳኽም እዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ብወገን ቻይና ተቀባልነት ከምዘይብሉ’ዩ ዘብርህ።
ቻይና ንኢራን ምዕቡል ስርዓተ መከላኸሊ ንኢራን ክትህባ ትዳሎ ኣላ ንዝብል ክሲ ኣመሪካ፡ ግብረመልሲ ዝሃበ እቲ ቻይናዊ በዓል ስልጣን ወሲኹ፡ ክሲ ዋሽንግተን “ፍጹም ዝተሰንዐ” ባይታዊ ሓቂ ዘይብሉ’ዩ ብምባል ዝነጸገ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ተስፋ ተነቢርሉ ዝጸንሐ ስምምዓት ኣብ ምብታን ትዋሳእ ምህላዋ’ዩ ወሲኹ ዝኸስስ።
ቻይና ነዚ መግለጺ ዝሃበት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቻይና ንኢራን ወተሃደራዊ ደገፍ እንተሂባ፡ 50% ቀረጽ ክውስነላ ምዃኑ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ ኮይኑ፡ ቻይና ብወገና እቲ ካብ ምምሕዳር ዋሽንግተን ዝቐርብ ዘሎ ክስታት መሰረት ኣልቦ ምኳኑ’ያ ኣብ መግለጺኣ ትጠቅስ።
ቻይና ልዑል መጠን ዘለዎ ነዳዲ ካብ ኢራን ስለትዕድግ፡ ዋሕዚ ቀረብ ነዳዲ እንከይጐድላ፡ ኣብቲ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ከምእትደሊ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ብወገና ቻይና ኣብ ጉዳይ ኢራን ምስቲ ናይ ቴህራን መንግስቲ ወጊና ብምባል ክትኸሳ ምጽንሓ ኣይርሳዕን።
ብቅድሚ ትማሊ ምሸት ሓይልታት ኣመሪካ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ከምዝዓጸውዎ ድሕሪ ምፍላጦም፡ ብውሕዱ 4 መራኽብ ንግዲ ከምዝሓለፋ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ይኹን እምበር ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ዓቢ ጽልዋ ክፈጥር ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዓለምለኻዊ ውድብ ባሕሪ፡ ንዓለም ስርዓተ ንግዲ ዘገልግል መጻብቦ ክትዓጹ ሕጋዊ መሰል ዘለዋ ሃገር የላን ክብል ኣፍሊጡ።
ኣብ’ቲ ከባቢ ግጭት ከምዘሎ ይርድኣና እዩ፡ እንተኾነ ግን ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ መስመር መጓዓዝያ ባሕሪ ዓለም ናይ ምዕጻው ተግባር ዘፍቅድ፡ ዝኮነ ይኩን ዓለምለኻዊ ሕጊ የለን ዝበለ ዋና ጸሓፊ እቲ ትካል ኣርሰኒዮ ዶሚንገዝ፡ እቲ ብ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ዘሎ ፖከቲካዊ ጸወታ ቅቡልነት ከምዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ።
ብሰንኪ እቲ ኲናትን ምርጋጥ መጻብቦ ሆርሙዝን ኣስታት 20,000 ጉዕዞ ወሽመጥ ሓዲግ ተሪፉ ከምዘሎ ወሲኹ ዝጠቀሰ ዶሚንገዝ፡ ዋላ’ኳ ዋጋ ነዳዲ ብተዛማዲ ጐዲሉ፡ ንሓደ በርሚል ትሕቲ 100 ዶላር እንተወረደ፡ ካብ’ቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ዋጋ ግን ብ36% ምውሳዂን ካብ ንቡር ወጻኢ ኮይኑ ምህላዉን’ዩ ዝገልጽ።