ብህወሓት ዳግማይ ናብ ስልጣን ዝተመልሰ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ሓድሽ ተወሳኺ ሽመት ኣብ ዘጽደቀሉ ሰዓት፡ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ከምዝሸሞ ኣፍሊጡ።
እቲ ንዝሓለፈ ሽድሽተ ዓመታት ደስኪሉ ዝጸንሐ ቤትምኽሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ህወሓት ብዝወሰዶ በይናዊ ስጉምቲ፡ ስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሪሱ ዳግማይ ናብ ስልጣን ምምላሱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ትማሊ ኣማስዩኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይን፡ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ፍትሕን ኮይኑ ከምዝተመዘ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካልኦት ተወሰኽቲ ሹመታት መንግስቲ እውን ኣጽዲቁ ምህላዉ እዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ሓድሽ ተወሳኺ ሽመት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ፡ ኣብ 4ይ ህጹጽ ኣኼባ ሳዱሻይ እብረ ቤት ምኽሪ ዝጸደቀ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ዝሓለፈ ስሩዕ ኣኼባ ቃለ ጉባኤ ብምጽዳቕ ዝጀመረ ስሩዕ መደብ፡ ንኣወዳድባን ኣቃውማን ኣብያተ ጽሕፈት ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ንዝቐረበ እማመ ተቐቢሉ ብምዝታይ፡ ብምሉእ ተቐባልነት ኣጽዲቁ፡ ሓድሽ ሽመት ምዕዳሉን ቃለማሕላ ምፍጻሙን እዩ ዝገልጽ።