ብሰንክ’ቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝዘርግሖ ናይ ዓመጽ ፖሊሲ፡ ኤርትራ ትሓታትነትን ግሉጽነትን ዘይብላ ሃገር ብምዃና ፡ ጉቦ፡ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታትን ዓመጽን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይስዕርርን ሕሰም ህዝቢ ይብእስን ምህላዉ ተሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርና፥ ሕጽረትን ስእነትን ክብርን መሰረታውያን ሃለኽቲ ኣቕሑትን ካልእ ኣገደስቲ ንብረትን ሰማይ ስለዝዓረገ፥ ሰባት ጸገማቶም ንምፍታሕን ጠለባቶም ንምምላእን፥ ኣደዳ ጸሊም ዕዳጋን ጉቦን ኮይኖም ከምዘለዉ፥ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ናብ ኤሪፒኤም ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊጾም።
ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን፥ ዝስተ ጽሩይ ማይ ብመጽዓኛን ብጉልበትን ብሕቡእን ብጸላምን ገዛ ገዛ እናዞሩ ማይ ዝሸጡ ሰባት ቁጽሮም እናበዝሑን ከም ምንጪ እቶት ከምዝኾነን፥ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።
ብተወሳኺ ኣብ ከተማታት፥ ስሩዕን ብቑዕን ኣገልግሎት መብራህቲ ስለዘየለ፥ ዕንጸይትን ፍሓምን ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ብኽቡር ዋጋ ካብ ጸሊም ዕዳጋ ከምዝገዝኡ ይፍለጥ።
ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ፥ ህዝብና ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ዘጋጥሞ ዘሎ ስቓይ ከይኣኽሎ፥ ብጸገም መነባብሮን ድኽነትን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ይሳቐ ኣሎ።
ኣብ ኤርትራ ቁጠባዊ ጽላትን ትሕተ ቅርጽን ከምዝዓነወን ሓድሽ ከምዘይተሃንጸን፥ እቲ ንልዕሊ 35 ዓመታት ብዘይ ቅዋም፥ ምርጫ ፥ ባይቶ፥ ከምኡ’ውን ብዘይ ሓጋጊ፥ ፈጻሚ፥ ፈራዲ ኣካላት መንግስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከምዝተኣመነ ይፍለጥ።
•••