ኣብ መዓስከር ዳባት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፡ መንነቶም ብዘይፍለጥ ዕጡቓት ሸፋቱ ዝበጽሖም ዘሎ መጥቃዕትን ናይ ቅትለት ፈተነን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ ክንገልጽ ምጽናሕና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም መቐጸልትኡ ሕጂ ውን ኣብ ልዕሊ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ከቢድ ናይ ጥይት መጥቃዕቲ ከምዝበጽሐን፡ ካብ ሞት ኣምሊጡ፡ ናብ ሆስፒታል ጎንደር ሪፈር ተባሂሉ ይሕከም ከምዘሎ፡ ምንጪ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣስታት 7ሽሕ ዝቑጽሩ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኣብ ፍርሕን ሽቑረራን ተሓቢኡ፡ ኣብ መዓስከር ዳባት ይነብር ምህላዉ ዝገልጽ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ 10 ኪሎ መሸላ ወይ ስርናይ እንዳተቐበለ ፡ ቁሩብ ቁራቦ ጣፍ ፈይ እንዳበለን ንምንባር ክቃለስ ዝጸንሐ ስደተኛ ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኪንዮ ሂብና ንምባል ዝቐርበሉ ቁንጣሮ ዕፉን፡ ንማለቱ ሂብና ንምባል ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ሓገዝን ደገፋትን ይረክብ ብዘይምህላዉ፡ ኪንዮ ፍርሕን ናይ ቅትለት ፈተነ ሸፋቱን፡ ብጥሜት ይግረፍ ምህላዉ’ዩ ዘረጋግጽ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ፡ ብመሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ ሓድሽ ናይ ፋይዳ ድጂታል ታሴራ፡ ቁጽሪ ሕሳብኩም ምስ ባንኪ ክተሓሓዝ ኣይከኣለን ተባሂሎም ባንኮም ዝተኣገደ ስደተኛታት፡ ዝምልከቶ ኣካል ድጂታል ታሴራ ኣብ እዋኑ ክህቦም ሰሪ ዘይምኽኣሉ ፡ ዝተሰደሎም ገንዘብ ንኸውጽኡ እኳ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ወዲቖም ምህላዎም ዝጠቐሰ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ብሰንኪ እዚ ፍታሕ ዝሰኣነ ሽግር ንባዕሉ ቁጽሪ ንጸገም ዝተቓልዑ ስደተኛታት ብተዓጻጻፊ ይዛይድ ምህላዉ’ዩ ዘረድእ።
ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ሕጻናት፡ ነብሰጾራት ኣዴታትን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ስደተኛታትን፡ ብሰንኪ ሕጽረት መሰረታዊ ጠለባት ሂወትን፡ ትሕዝቶ ዘይብሉ መግብን፡ ንሞት ንስንክልናን ከቢድ ሕማምን ይቃልዑ ከም ዘለው ወሲኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ነዚ ንምውጋድን ዜጋታትና ካብ ከቢድ ሃለዋት ንምንጋፍን፡ ህጹጽ ሓገዝ ንምግባር ኩሉ በብዝከኣሎ ክንረባረብን ፡ ክሕግዝ ዝደሊ ግዱስ ውን ብኣድራሻና ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ዓቕሙ ክገብር ከምዝኽእልን’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ምጅማር መዓስከር ዳባት ኣስታት ከባቢ 25 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብቲ መዓስከር ይነብሩ ምንባሮም ወሲኹ ዝገልጽ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን ብሰንክ’ቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት፡ ቁጽሮም ናብ ሸውዓት ሽሕ ከምዘንቆልቆለ፡ ካብኣቶም ህይወቱ ንምድሓን ብምባል ናብ ትግራይ ግዒዙ ዝነበረ ብርክት ዝበለ ስደተኛ ውን፡ ኩነታት ትግራይ ጽግዕ ኢልካ ንምንባር ዘየፍቅድ ብምዃኑ ፡ ናብ ዓዲ ኣምሓራን ኦሮሞን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ፋሕ ይብል ምህላዉ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ብርክት ብዝበለ ቁጽሪ ናብ ትግራይ ሃዲሙ ዝነበረ ስደተኛ ነባሪ መዓስከር ዳባት፡ ተመሊሱ ካብ ትግራይ ክሃድም ዝተገደደ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ኵናት ክውላዕ ይኽእል እዪ ዝብል ስግኣት ምዃኑ ወሲኹ ዝገልጽ እቲ ሓበሬታ፡ ብፍላይ እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝውሕዙ ዘለው ስደተኛታት፡ ናብራ ንምልማድን ሂወቶም ንምምሕያሽን፡ ብሞያ ርእሶም ንክኽእሉ ናይ ህዝቢ ሓገዝ ይደልዩ ምህላዎም’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
ግብሪ ሕያዋይ ሳምራውን ብጾቱን፡ ሰኸም ህዝብና ንምቅላል፡ ዝጸበቦ ንምጽንናዕን፡ ሞያዊ ትምህርቲ እንምህረሉ ዕድላት ንምፍጣርን፡ ንስደተኛ ህዝብና ዝተፈላለየ ዓይነት ሓገዝ ዝህብ ሓደ ህንጻ ንምህናጽ፡ መደብ ሓንጺጹ ይሰርሕ ምህላዉ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ነዚ ንምግባር ውን ናይ ጎ’ፈንድ ሚ ሕሳብ መአከቢ ገንዘብ ክኽፈት ምዃኑን ፡ ኩሉ ብዝኽእሎ ኣብ ወሳኒ ሰዓት ኣለኹ ክብል ተስፋ ምህላዉን’ዩ ዝገልጽ።