ኤርትራዊ ሰማያዊ ማሕበረሰብ ጀርመን፡ ካብ ዕለት 16 ክሳብ 19 ሓምለ 2026፡ ኣብ ከተማ ስቱትጋርት ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ሓጋይ ባህልታት ስቱትጋርት ከምዝተሳተፈን፡ ትማሊ ሰንበት’ውን ኣብ ናይ መድረኽ መደባት እቲ ፌስቲቫል ተሳቲፉ፡ ባህሊ ኤርትራ ንዝተፈላለዩ ተዓዘብቲ ከምዘላለየ፡ ካብቲ ከባቢ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣነጺሩ።
ኤርትራዊ ሰማያዊ ማሕበረሰብ እ.ቪ፡ ንሰብኣዊ መሰል፡ ዲሞክራሲ፡ ውህደት፡ ሲቪላዊ ተሳትፎን ካልእን ዓሊሙ፡ ኣብ መንጎ ባህልታት ንዝግበር ዘተ ንምድንፋዕ ዝሰርሕ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኮይኑ፡ ከም ዕላማታቱ ኣብቲ ናይ ስቱትጋርት ፌስቲቫል ውን፡ ባህልን ክብርታትን ኤርትራ ንምድማቕ ከምዝሰርሐ’ዩ ዝንገር።
ኤርትራዊ ሰማያዊ ማሕበረሰብ ፡ኣብቲ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልታት ዝቐጸለ ፈስቲቫል፡ ምስ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ በጻሕቲ ብምውህሃድ ፡ ብዛዕባ ስርሑ ሓበሬታ ዘካፈለ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰፊሕ ማሕበረሰብ ሓድሽ ምትእስሳር ብምህናጽ ውን፡ ንዕላማታቱ ዝበቅዕ መደባት ከምዘካየደ’ዩ ዝገልጽ።
ኤርትራዊ ሰማያዊ ማሕበረሰብ ጀርመን፡ ኣብቲ ፌስቲቫል ብምስታፍ፡ ንብዙሕነት፡ ምትሕግጋዝን፡ ሓባራዊ ሰላማዊ ህይወትን ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ እቲ መደብ ንኤርትራውያን ዲያስፖራ ዝትንክፉ ጉዳያት ንቕሓት ንምዕባይ፡ ባህላዊ ምልውዋጥ ንምድንፋዕን፡ ንጡፍ ዜግነታዊ ስምረት ንምርግጋጽን ዕዉት ግዜ ከምዘሕለፈ’ዩ ዝንገር።
ኤርትራዊ ሰማያዊ ማሕበረሰብ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሰብኣዊ መሰላት ተኸቢሩ፡ ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ዓብዩ፡ ብዘተን ምትሕግጋዝን ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ድልድል ንምህናጽን፡ ዲሞክራስያዊን ኤርትራዊ ዲያስፖራ ንምሕያልን ብተወፋይነት ክሰርሕ መደብ ከምዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።