ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ሕጊ ኣልቦ ምምሕዳርን፡ በቲ ኣብ ኣስመራ በብዓመቱ ንወከልቲ ዞባታትን ብሄራትን ዓዲሙ ዘካይዶ ፈስቲቫል ክጉልብቦን ፍትሓዊ ክመስልን ይፍትን።
ኣብ ኤርትራ፡ ቅዋም፡ ባይቶ፡ ምርጫ፡ ስሩዕ ንጥፈታት መንግስቲ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ካልእ መሰረታዊ ናጽነትን ኣብ ዝበኾረሉን ውልቀ መላኽነት ኣብ ዝነገሰሉን፡ ካብ ዞባታት ጉጅለታት ባህሊ ኣኪብካ ምስዕሳዕን ምልሃይን፡ ስእላዊ ምርኢትን ቅርስታትን ምድላውን ማሕበራዊ ፍትሒ ከንጸባርቕ ኣይክእልን ኢዩ።
ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተገላጊላ ልኡላዊት ሃገር ትኹን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጉዳያቱን መሰላቱን ዝውስነሉ ፖለቲካዊ ናጽነትን ተሳታፍነትን፡ ቁጠባዊ ምዕባለን መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ስለዘይብሉ፡ ኣብ መሪር ጭቆናን ድኽነትን’ዩ ዝነብር ዘሎ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይ ክሲ-ፍርዲ ንዓመታት ኤርትራውያን ኣብ ጎዳጉድን ኮንተይነራትን ብምሕያር ይቐትሎም ብሕማም የማስኖምን፡ መንእሰያት ካብ ትምህርቶም ኣሰናኺሉን ካብ ስድራቤቶም ነጺሉን ኣብ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቆሪኑን ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ኣህሊቁን ስለዘሎ፡ ጥፍኣትን ዕንወትን እምበር ብዛዕባ ምዕባለን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ሓልዮት የብሉን።
እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብታ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ህዝባዊ መጓዝያን ተሌፎንን ዝሓረማ ኣስመራ ዝካየድ ዘሎ ፈንጠዝያን ጓይላን ድማ፡ ንድኽነትን ስደትን፡ ምሕያርን ምብትታን ስድራቤትን ዝፍውስን ዝቅይርን ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ባህላዊ ብዙሕነትን ጸጋታትን፡ ክብርታትን ታሪኽን ብዝግባእ ክረጋገጽን ክዕቀብን እንተኾይኑ፡ እቲ ንህይወትናን መሰልናን ገቢቱ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ዝእለን ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ ምስዝነግስን ኢዩ።