ኣብዚ ሕጂ ሰዓት፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብምኳን ኣብ ስራሕ ፌደራል ዝርከብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ውድብ ህወሓት ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብምትሕብባር፡ ንትግራይ ናብ ናይ ኲናት እቶን የእትዋ ኣሎ ክብል ገሊጹ።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኮነ ጌታቸው ረዳ፡ መሪሕነት ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ካልኣይ ዙር ጨካን ኲናትን ውድቀትን ይመርሖ ኣሎ ክብል ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ኣብ ቃላቱ ተረፍ-መረፍ ህወሓት ዝኾነ እካበ፡ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ተወሳኺ ሓዊ የውድቆ ምህላዉ እዩ ዝኸስስ።
እቲ እኩብ ጕጅለ፡ ብጉጅለ ህግደፍ እንዳተማእዘነ፡ ሃብቲ ትግራይ ኣብ ምብኻንን ወታሃደራዊ ግጭት ኣብ ምዕዳምን ተጸሚዱ ምህላዉ ዝገለጸ ኣቶ ጌታቸው፡ እቲ ናይ ህወሓት ተረፍ መረፍ ጉጅለ፡ ትግራይ ከም እንደገና መኣዲ ኲናት ንምግባራ፡ ምስ ናይ በረኻ ብጻዩ ጉጅለ ህግደፍን፡ ጄኔራል ኣል-ቡርሃን ናይ ሱዳንን፡ ከምኡ ውን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ወታሃደራዊ ስምምዓት ከም ዝፈጸመ’ዩ ዝገልጽ።
ጌታቸው ረዳ ኣብ ቃላቱ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝተገብሩ ወታሃደራዊ ኣኼባታት ዝተወስዱ ውሳኔታት ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን “ብኲናት ክስዕር ጥራይ ዝኣምን” ፖለቲካዊ ብስለትን ፍልጠትን ዘይብሉ መራሒ’ዩ ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ናብ ኤርትራ ብምኻድ ወታሃደራዊ ሓገዝ ንምሕታት ዝተገብረ ፈተነ ንባዕሉ፡ ዕላማ እኩብ ጉጅለ ህወሓት ኲናት ጥራሕ ምዃኑ ከምዘረጋግጽ እዩ ዝገልጽ።
ብልጓም ጉጅለ ህግደፍ እንዳተወጠጠ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ውድብ ህወሓት፡ ድሌት ናይ ኣስመራ ጉጅለ ንምምላእ፡ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዘይውዳእ ዳግማይ ኲናት ከእትዎ ይቃለስ ምህላዉ ጸቒጡ ዝገልጽ ኣቶ ጌታቸው፡ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ጥፍኣት ክብጻሕ ዝድለ ዘሎ ሕልሚ ጕጅለ ህወሓት፡ ስልጣን ምሓዝ ጥራይ ምዃኑ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።