ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት ኣብ መንጎ ውድብ ህወሓትን ፌደራልን ብዝተፈጥረ ግጭት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጉጅለ ህግደፍ ዝተሓወሶ ደማዊ ኲናት ንክልተ ዓመታት መመላእታ ከምዝተኻየደ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ኢሉ ዝጸንሐ ኲናት ዳግማይ ክውላዕ ኣብ ጫፍ በጺሑ ምህላዉን፡ ናብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ምዕራጉን ተገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣብ ወሰናስን ዶባት ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኣሰካፊ ወታሃደራዊ ምንቅስቓሳት ፡ ኲናት ናብ ዘይተርፈሉ ደረጃ ይበጽሕ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ብወገን ክልቲኦም ሓይልታት ዝረአ ዘሎ ናይ ቃላት ኲናት ንባዕሉ፡ ኲናት ዘይተርፍ ምዃኑ ከምዘረጋግጽ እዩ ዘረድእ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ዘመናውያን ተሽከርከርቲ ዓጢቑ ብዝተፈላለየ ኣንፈታት፡ ናብ ወሰናስን ትግራይ ይጽጋዕ ምህላዉ ዘረድእ እቲ ሓበሬታ፡ ወተሃደራውያን ድሮናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ውን ሓበሬታ ንምእካብን ንምክትታልን፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ትግራይ ተደጋጋሚ ግዜ ይበራ ምህላወን እዩ ዝገልጽ።
ህወሓት ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣከባቢታት ራያ ብርቱዕ ወታሃደራዊ ቅስቀሳታት ይገብር ምህላዉን፡ ሓደስቲ ሰልጠነቲ ዝሓዛ ተሽከርከርቲ ውን ተወሳኺ ሓይሊ ሒዘን ይኣትዋ ምህላወን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብክልቲኦም ወገናት ኣብ ወሰናስን ዶባት ኣብ ዝርከቡ መዓስከራቶም ዝረአ ዘሎ ወታሃደራዊ ምንቅስቃሳትን ላዕለዋይ ምድላዋትን፡ ትግራይ ዳግማይ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ት ኣቱ ምህላዋ ዘሪኢ ምዃኑ’ዩ ፡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝገልጽ።