እስራኤል ቁጽሪ ካብ ቤት ማሕቡስ ንምህዳም ዝፍትኑ እሱራት ንምቅናስ፡ ብደገ ብሓራግጽ ዝሕሎ ቤት ማእሰርቲ ንምህናጽ፡ ኣብ ዙርያ ቤት ማእሰርቲ ጉድጓድ ምዂዓት ምጅማራ ተገሊጹ።
እቲ ደጋዊ ዙርያኡ ብሓራግጽ ክሕሎ ተባሂሉ: ሓራግጽ ዝነብርዎ ጉድጓድ ዝኳዓተሉ ዘሎ ቤትማእሰርቲ፡ ኣባላት ሓማስን ናይ ቓዛ እሱራትን ዝርከብሉ ቤት ማእሰርቲ ምዃኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡
ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ከምልጡ ኣብ ዝፍትንሉ ሰዓት ቀጥታ ግዳይ ሓራግጽ ንምግባሮምን፡ ብሂወት ከይተርፉ ዝገብር ስጉምቲ ምኳኑን’ዩ ዝንገረሉ።
መንግስታውያን ሚድያታት እስራኤል ከም ዝሓበርኦ፡ እቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እስራኤል ዝርከብ ቤት ማሕቡስ፡ ኣባላት ሓማስን ፍልስጤማውያንን ዝኾኑ እሱራት ዝሓዘ፡ ብነዊሕ ናይ ኮንክሪት መንደቕ ዝሕሎ ቤት ማሕቡስ ኮይኑ፡ ብኸቢድ ገበን ዝድለዩ እሱራት ብምዃኖም ካብቲ ቤት ማሕቡስ ንከይሃድሙ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ቤት ማእሰርቲ ሓራግጽ ዝፈርይሉ ዒላ ይህነጽ ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
እዚ ጉድጓድ እዚ፡ ኣብ ዙርያ ቤት ማእሰርቲ ኬትዚዮት (Ketziot) ይኳዓት ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ክሳብ ናይ ኣስታት ክልተ ሜትሮ ጥልቀት ክህልዎ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር።
እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝርከበሉ ዞባዊ ምምሕዳር ራማት ኔጌቭ (Ramat Negev) ዝርከብ ሓደ በዓል ስልጣን፡ እቲ ጉድጓድ ኣብ ዙርያ ናይቲ ብፍሉይ ሓይሊ ዝሕሎ ናይ ቤት ማእሰርቲ ክፋላት ይኩዓት ከም ዘሎን፡ ብውሽጢ እቲ ቤት ማሕቡስ ኮንካ ክረአ ውን ከምዘይክእል’ዩ ዝገልጽ።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይተደልየ በዓል ስልጣን ብወገኑ፡ ኣብቲ ዝኳዓት ዘሎ ቀላይ ሓራግጽ ይሃልዉ ኣይሃልዉ ዝፈልጥ የልቦን ዝበለ ኮይኑ፡ እንተዀነ ግን ምድላዋት ይግበር ምህላዉን፡ ካብ ካልእ ቦታ ዝተኣከቡ ሓራግጽ ናብቲ ማያት ክሕወሱ ክገብር እዩ ዝብል ዘረባታት ውን ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
ካልእ ኣብ እስራኤል ዝሕተም ጋዜጣ ብወገኑ፡ ብሓራግጽ ዝሕሎ ቤት ማእሰርቲ ይህነጽ ምህላዉ፡ ሃገራዊ ሚኒስተር ጸጥታ እስራኤል ከምዘረጋገጸ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ማእሰርቲ እስራኤል፡ ነቶም ሓራግጽ ናይ ምእላይን ምቁጽጻርን መደብ ኣውጺኡ ምህላዉን፡ ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ እውን ነቶም እንስሳታት ብኸመይ ክሕዝዎም ከም ዘለዎም ዘስተምህር ስልጠና ከምዝወሰዱን እዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
እስራኤል ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ንብዙሓት ዘገረመ ዜና ኮይኑ ምህላዉ ዝገልጽ እቲ ጋዜጣ ወሲኹ፡ እዚ ፕሮጀክት እዚ 21 ሚልዮን ሸከል ወይ ውን 6.3 ሚልዮን ዶላር ተመዲብሉ ምህላዉ እዩ ዘረጋግጽ።