ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብስእነት ኣገልግሎት ጥዕናን መድሃኒትን ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ጽላት ጥዕና ዓወት ከምዘመዝገበ ዝገልጽ፡ ግጉይን ምስሉይን መግለጺ ኣውጺኡ።
ፈጻሚ ጉዳያት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ብንያም በርሀ ብ22 ሓምለ 2026 ኣብ ኣክራ ጋና ኣብ ዝተኻየደ፡ ፍሉይ ዋዕላ ባይቶ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ጥዕና ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ ቓል፡ ኣብዚ እዋን’ዚ 80 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝነብረሉ ከባቢ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ኣገልግሎት ጥዕና ምህላዉ እኳ እንተመደረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት እንዳኸደ ውጽኢታዊ ኣገልግሎት ሕክምና የናዲ ምህላዉ ግን ካብ ማንም ዝኽወል ኣይኮነን።
ወኪል ህግደፍ ኣቶ ቢንያም በርሀ ኣስዒቡ፡ ህጻናት 97 ሚእታዊት ስሩዕ ክታበት ከምዝረኽቡን ሞት ኣዴታትን ህጻናትን ውን ኣዝዩ ከምዝጎደለን ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ዘይከምቲ ወኪል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዋዕላ ጋና ዝሃቦ መደረ፡ 80 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ኣብ ከባቢኡ ኣገልግሎት ጥዕና ክረክብ፡ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ድሓን ዝበሃላ ከተማታትን ዝነብር ህዝቢ”ኳ፡ ሓኪም ንክርአ ኣብ ቁርን ኣስሓይታን ንፋስን ንሰዓታት ዝጽበን ሪጋ ተሰሪዑ ይቅንን ምህላዉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ካብ ሆስፒታል ሓሊበት ዝተረኽበ ናይ ቪድዮ ሓበሬታ ምስክር’ዩ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ነዳድን መብራህትን ስለዘየለ፡ ሕሙማትን ነብሰ ጾራትን ኣረጋውያንን፡ ብቃሬዛን ብመጽዓኛን ተጼሮም ነዊሕ ሰዓታት ከምዝጐዓዙን ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ትካል ጥዕና ከይበጽሑ ከምዝሞቱን ዓቕሚ ስኢኖም ኣብ ቤቶም ከምዝሳቐዩን ይፍለጥ።
ወኪል ጉጅለ ህግደፍ ከይሓፈረ፡ ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሕጊ፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣብ ዘየለወሉን ውልቀ መላኽነት ኣብ ዝዓብለለሉ ምሕደራን፡ ኣብ ኤርትራ ንኣገልግሎት ጥዕና ከም ሰብኣዊ መሰል ከምዝውሰድን ነፍስ ወከፍ ዜጋ ስማዊ ክፍሊት ከምዝኸፍልን ምግላጹ፡ ምስሉይነትን ካብ ክውንነት ዝረሓቐን ኢዩ።
“ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ” ከምዝብሃል፡ ወኪል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዋዕላ ጋና ክሕሱን ከደናግርን ይፈትን እምበር፡ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ብቑዕን ምዕቡልን ኣገልግሎት ጥዕና እንተዝህሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓገዝ ገንዘብ ሓቲቶም ኣብ ሃገራት ህንዲ፡ ቱርኪ፡ ኢትዮጵያ፡ ታይላንድን ካልእ ከባቢታትን ክሕከሙ ኣይምተገደዱን ነይሮም።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ብቑዕ ኣገልግሎት ጥዕና እንተዝህሉ፡ ካብ ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ንመግዝኢ መሳርሒ መንሽሮ ዝኸውን ገንዘብ ክዋጻእ’ውን ጎስጓስ ኣይመካየደን።
ኣብ ኤርትራ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ከም ኩሉ ጽላታት፡ ብሰንኪ ብቑዕ ምሕደራ ስለዝተዳኸመን ክኢላታት ስለዝተሰዱን ስለዝተሓየሩን ከምኡ’ውን ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ትካላት ጥዕና ስለዝተዓጽዋን ስለዝተሃገራን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ሕማምን ሞትን ይኸውን ኣሎ።