ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ካብ ብርክት ዝበለ ከባቢታት ትግራይ ተደፊኡ፡ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝጥምት ሰሜናዊ ዶባት ትግራይ ተደፊኡ ትርከብ ውድብ ህወሓት፡ ብጀነራል የውሃንስ ወልደገርግስ (ጆን መዲድ) ክድዓት ከምዝተፈጸሞ ብምጥቃስ፡ ቃልሲ ህወሓት ብኽድዓት ውልቀሰባት ከምዘይሰናኸል ገሊጹ።
ህወሓት ትማሊ ኣማስዩኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሜጀር ጀነራል ዮሃንስ ከዲዑ እምበር ኣይተማረኸን ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡
እቲ ብሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይሊ ሰላም ትግራይን ዝተገልጸ፡ ሜጀር ጀነራል ዮሃንስ ወልደጊዮርጊስ (ጆን መዲድ) ኣብ ቁጽጽር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከም ዝወደቐ ዝገልጽ ሓበሬታ ግጉይ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ጀነራል የውሃንስ ክሕደት ከምዝፈጸመ’ዩ ዝገልጽ።
ሓደ ምንጪ ሓይሊ ሰላም ትግራይ TPF፡ እቲ ጀነራል ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተኸቢቡ ከም ዝተማረኸን ብምጥቃስ፡ ካብ ኮለኔል ክሳብ ናይ ሻለቃ ሓላፍነት ዝነበሮም ሸውዓተ ላዕለዎት ወተሃደራውያን መራሕቲ፡ ከምኡ ውን 18 ኣባላት ስታፍ፡ ብድምር 25 ኣባላቱ ሒዙ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝወደቐ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ነዚ ሓበሬታ እዚ ዝኸሓደ ውድብ ህወሓት፡ ጀነራል የውሃንስ (ጆን መዲድ)፡ ከምዘይተማረኸ ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክሕደት ምፍጻሙ’ዩ ዝኸስስ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ ሜጀር ጀነራል የውሃንስ ወልደጊዮርጊስ (ጆን መዲድ) ካብቲ ቅድሚ ወርሒ ዝተኻየደ ግጭት ደቡባዊ ግምባራት ኣትሒዙ ክሕደት ከምዝፈጸመን፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ከኣ ተመኹልዩ ክሕደት ከምዝፈጸመን ብምጥቃስ’ዩ፡ ነቲ ተማሪኹ ዝብል ሓበሬታ ዝነጽግ።
ህወሓት ብተወሳኺ፡ ሜጀር ጀነራል ዮሃንስ (ጆን መዲድ)፡ ዝፈጸሞ ምጉዳል ሓላፍነት ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ብውድብ ክግምገም ካብ መሪሕነት ሰራዊት ተኣልዩ ምንባሩ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ እቲ ጀነራል ብዝፈጸሞ ጉድለት ሓላፍነት እንዳተገምገመ ብምስጢር ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ ኢዱ ሂቡ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
ካድራት ጉጅለ ህግደፍ፡ ዜና ምምራኽ ጆን መዲድ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ሓሶት እዩ፡ ኣይተታሕዘን፡ ኣብ ስራሕ ኣሎ፡ ውግእ ይመርሕ ኣሎ፡ እቲ ስእልታት ብኤ ኣይ ዝተሰርሐ ስናዕ ስእሊ’ዩ ወዘተ ክብሉ ምሕዳሮም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምምራኽ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት፡ ኣብ ሰራዊት ትግራይ ከውርዶ ዝኽእል ስነ ልቦናዊ ሃስያ ኣብ ግምት ብምእታው ጆን መዲድ ካብ ምሩኽ ከዳዕ ተባሂሉ ክግለጽ ተመሪጹ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይሊ ሰላም ትግራይ TPFን ብሓባር ብምዃን ፡ ሰፊሕ ናይ ምጽራይ ወፍሪ ይቕጽሉ ምህላዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ካብ ትማሊ’ውን ዓበይቲ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ህወሓት ኣብ ከበባ ኣትዮም ምህላዎም ገሊጾም።
ትማሊ ኣብ ማእከላይ ዞባ እቲ ክልል ንዝርከቡ፡ ካብ ማይቅነጣል ክሳብ ወርቕኣምባ ዝዝርግሑ ዓድታት ነጻ ከም ዘውጽኡ ዝገለጹ እቶም ሓይልታት፡ ኣብ ከባቢ ናዕዴር፡ ኣዛዚ ሰራዊት ኣርሚ 42 ዝኾነ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ተስፋይ “ድንኩል” ውን፡ ምስ ካልኦት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ብሓባር ኣብ ከበባ ከም ዝኣተወን፡ ብሰላም ኢዱ ክህብ ጻውዒት ይቐርበሉ ምህላዉን ዶቼ-ቬሌ ንምንጭታት ሓይሊ ሰላም ትግራይ ብምጥቃስ ገሊጹ።