መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብ 28 ክሳብ 29 ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ሳልሳይ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ፡ ናብ ሞስኮ ኣቕኒዑ ።
እቲ ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዋዕላ፡ ኣብ ጉዳያት ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ጸዓት፡ ሕርሻ፡ ውሕስነት መግብን ጸጥታው ምትሕብባርን ዘተኰረ ክኸውን ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ ጎኒ ጎኒ እቲ ዋዕላ ውልቀመላኺ ኢሰያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ዝራኸብሉ ናይ ዘተ መደባት ክህሉ ከምዝኽእል’ዩ ዝንገር።
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብተወሳኺ፡ ክልተኣዊ ዝምድናታት ንምጥንካርን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ሓባራዊ ረብሓ ንምዝታይን፡ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዘተ ከካይድ ትጽቢት ከም ዝግበር ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ድሕሪ ስዕረት ህወሓት ኣብ ጸቕጢ ኣትዩ ዝርከብ ውልቀመላኺ ምስ ኢትዮጵያ ንዝህሉ ቀጻሊ ምዕባለታት ኣመልኪቱ ክዝቲ ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፡ ንውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣሰንዩ ናብ ሩስያ ኣቕኒዑ ምህላዉ ውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡
ብወገን ኢትዮጵያ ዝተቐመጠ ቅድመ ኩነት ክሳብ ዘይተተግበረ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዘተ ክህሉ ኣይኮነን ዝብል መርገጺ ምስ ምህላዉ ግን፡ እቲ ግጭት ደው ክብል ይኽእል’ዩ ዝበሃል ሩስያ ዝጸውዓቶ ናይ ዘተ መድረኽ ክዉን ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት የለን።
ኣብ ሚድያ ምስ ሰልፊ ብልጽግና ዘዘራርብ ጉዳይ የብለይን ኣብ ምባል ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ድሕሪ ምድፋእ ህወሓት ብታሕቲ ታሕቲ ንኢትዮጵያ ደው ኣብሉለይ ኣብ ምባል በጺሑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ባይታዊ ልዕልና ሒዙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመራሕቲ ህወሓት ኣረክቡኒ ዝብል ቅድመ ኩነት ከቕርብ ስለዝኽእል ፡ እቲ ዘተ ዘለዎ ተስፋ ጸቢብ ምዃኑ’ዩ ዝእመን።
ሩስያ ምስ ክልቲኤን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ጽቡቕ ዝምድና ዘለዋ ሃገር ብምዃና ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ስርዓታት ህግደፍን ብልጽግናን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ንምህዳእ፡ ዘይነዓቕ ናይ ሽምግልና ተራ ክትጻወት ትኽእል’ያ ዝብል እምነት እኳ እንተሃለወ፡ ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ምትፍናን ንምህዳእ ግድን ምስ ህወሓት ዘለዎ ዝምድና ክበትኽ ዝግደድ ብምዃኑ ፡ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ዋዕላ ህግደፍ ዘይትጽቢታዊ ክሕደት ኣብ ልዕሊ ህወሓት ውን ክፍጽም ከምዝኽእል’ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።
ነዚ ኣመልኪቱ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣሌክሳንደር ኣሊሞቭ፡ ንጋዜጣ ኢዝቨስቲያ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልቲአን ሃገራት (ኤርትራን ኢትዮጵያን) ፍቓደኛታት እንተዀይነን፡ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ ንምዝርራበን ሃገሩ ድልውቲ ምዃና ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ወጻኢ ጉዳያት ሰርጌ ላቭሮቭ ብወገኑ ክልቲኤን ሃገራት ፍቃደኛታት እንተኾይነን እቲ ዘተ ብህጹጽ ክካየድ ምዃኑ’ዩ ኣሚቱ ዝርከብ።
ኣሊሞቭ፡ ሃገሩ ሩስያ “እሙናት መሓዙት ሃገራት” ኢላ ኣብ ልዕሊ እትገልጸን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ንሩስያ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡
ሩስያ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጽልዋኣ ንምዕባይ ትጽዕር ምስ ምህላዋ፡ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ንቡር ዝምለሳሉ ዕድል ንምፍጣር ክትጽዕር ምዃና’ዩ ዝእመን።
ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ሃገር እየን ኔረን፡ ሕጂ ግን ከም ጎረባብቲ ሃገራት ብሰላም ክነብራ ኣለወን ዝበለ ሰርጌ ላቭሮቭ፡
ቅድሚ ብዙሓት ዓመታት ውን፡ ሩስያ ንሞስኮ ከም ዘይሻራዊት መድረኽ ብምጥቃም፡ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ዝምድንአን ንምዝታይ ዘኽእል ሰለማዊ ሓሳብን ኣድላዪ ምድላዋትን ኣቕሪባ ምንባራ’ዩ ዘዘኻኽር ።
ሩስያ ሕጂ’ውን ኣብ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዘላቒ ሰላም ንምፍጣር፡ ሞስኮ ወገን ዘይብሉ ናይ ሰላም መድረኽ ኮይና ንኸተገልግል ድልውቲ ምዃና ዝገለጸ እቲ ሩስያዊ በዓል ስልጣን፡ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብቲ ቀደም ዝነበሮ ሰላማዊ መድረኽ ንምምላስ፡ ሃገሩ ሩስያ ኣድላዪ ዝበለቶ ኩሉ ዓይነት ኣበርክቶ ንምግባር ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።
ኢትዮጵያን ኤርትራን ብህሉው ኩነታተን ተገዲደን ንዘተ ዝኸውን መድረኽ እንተደልየን፡ ሎሚ፡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ውን እንተኾነ፡ ሞስኮ ነቲ ኣኼባ ንምእንጋድን ንምትሕብባርን ክትጽዕር ምዃና ዝጠቐሰ ላቭሮቭ፡ ሩስያ ታሪኻዊ ኣስተዋጽኦ ንምግባር ተበጊሳ ምህላዋ’ዩ ዝገልጽ።