ፐን ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ።
ማሕበር ጸሓፍቲ ዓለም – ፐን ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኤርትራ’የ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ 2001 ጉጅለ-15 ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ድሕሪ ዝገበሮ ናይ ጭውያ ተግባራት፡ ንጉዳይ ዝኣሰሮም ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ውሳነታት ኮምሽን ከም ዘየኽበረ ብምኽሳስ፡ ኮምሽን ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ (ACHPR) ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዝተረረ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ 12 ክሳዕ 21 ጥቅምቲ፡ ኣብ ሰኔጋል ዳካር ኣብ ዝተኻየደ መበል 89 ስሩዕ ኣኼባ ኮምሽን ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ መደረ ዘስመዐ፡ ኣካያዲ ስራሕ ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ኣቶ ዓወት ፍስሃየ፡ ንጉዳይ እቶም ን25 ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ርክብ ተኣሲሮም ዘለዉ 12 ኤርትራውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ብዝምልከት፡ እቲ ኮምሽን ዘሕለፎ ውሳነታት “ተኸታታሊ ዘይምኽባር” ከምዝገጠሞ ብምጥቃስ፡ እቲ ኮምሽን ፍታሕ ክገብረሉን ትርር ዝበለ ስጉምቲ ክውሰድን ጸዊዑ።
ፐን ኢንተርናሽናል ብ21 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም እሱራት ኣብ ወርሒ መስከረም 2001፡ ጉጅለ ህግደፍ ንናጻ ፕረስ ኤርትራ ብምዕጻው፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ጸሓፍትን ፖለቲካውያን ነቐፍትን ኣብ ዘካየዶ ማእሰርቲ ከም ዝተታሕዙ ዝገለጸ ኮይኑ፡
እቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩን ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ብወግዒ ዘይተፈልጠን 12 ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን፡ ብዘይ ዝኾነ ክስን ፍርድን ተሓይሮም ዝርከቡ ምህላዎም
ጉዳዮም ህጹጽ ፍታሕ ይጠልብ ምህላዉን’ዩ ዝገልጽ።
እቶም ግዳይ ጉጅለ ህግደፍ ብምዃን ፡ ብሞያዊ ሓላፍነቶም ዝተጨውዩ ዜጋታት፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ዳዊት ይስሓቕ፡ ፍስሃየ ዮሃንስ (ጆሽዋ)፡ ማቴዎስ ሃብተኣብ (ማቹ)፡ መድሃኔ ሃይለ፡ ሳህለ ጸገዝኣብ (ወዲ-ኢታይ)፡ ስዒድ ዓብደልቃድር፡ ስዒድ እድሪስ (ኣቡ ዓረ)፡ ስዩም ጸሃየ፡ ተመስገን ገብረየሱስን፡ ዮስፍ መሓመድ ዓሊን ምዃኖም ዝጠቐሰ ፐን ኢንተርናሽናል፡ እዞም እሱራት ምስ ጠበቓታት፡ ኣባላት ስድራቤቶም፡ ሕክምናዊ ክንክንን ከም ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ዝኣመሰሉ ናጻ ተዓዘብትን ንከይራኸቡ ተኸልኪሎም ይነብሩ ምህላዎም’ዩ ዝገልጽ።
ኣቶ ዓወት ንኮምሽን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ብጉጅለ ህግደፍ ዝተጨውዩ ዜጋታት፡ ካብቶም ኣብ ዓለም ንነዊሕ እዋን ዝተኣስሩ ጸሓፍቲ እዮም ዝበለ ኮይኑ፡ ማእሰርቶም ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ግዱድ ምስዋር ዝቑጸር ምዃኑ ወሲኹ ብምጥቃስ እዩ፡ ከቢድ ስጉምቲ ክውሰደሉ ዝጠልብ።
ስድራቤት እቶም እሱራት ብዛዕባ ሃለዋቶም፡ ኩነታት ጥዕንኦም ወይ ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዝኾነ ይኹን ወግዓዊ ሓበሬታ ከምዘይብሎም ዝጠቐሰ ፐን ኢንተርናሽናል፡ ነቲ ‘ዓንቀጽ 19 ኣንጻር ኤርትራ’ ብዝብል ዝፍለጥን፡ ኤርትራ ንሓያሎ ድንጋገታት ቻርተር ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ከም ዝጠሓሰት ዘረጋገጸን፡ ናይ 2007 ታሪኻዊ ውሳነ ኮምሽን ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ብምዝኽኻር ፡ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣራሚ ስጉምቲ ክውሰድ’ዩ ዝጠልብ።
እቲ ኮምሽን፡ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ወይ ፍትሓዊ ፍርዲ ክረኽቡን ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ዝተነብረ እገዳ ክልዓልን ጸዊዑ ምንባሩ ዘዘኻኸረ ፐን ኢንተርናሽናል፡ ውሳነታትን ድሒሩ በቲ ኮምሽን ዝወጸ ምኽረ-ሓሳባትን ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓለ ብምጥቃስ፡ እቲ ትካል ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ዘርኣዮ ምጥሓስ ሕጊ ብዕሊ ክስንዶ፡ ብግህዶ ክኹንኖ፡ እቶም እሱራት ውን ብህይወት ምህላዎም ዘረጋግጽ መርትዖ ክሓትትን፣ ከምኡ’ውን ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ዘረጋግጽ ፍሉይ ጸብጻብ፡ ናይቲ ኮምሽን ወከልትን ኮሚተ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀልን ዝርከብዎም ናጻ ተዓዘብቲ ክበጽሕዎዎ ከፍቅድ ጸቕጢ ክገብርን’ዩ ንኮምሽን ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ዝጽውዕ።
ብኹሉ ኣንፈት ጸሓዩ ዓሪባቶ፡ ኣብ ወጥርን ጸበባን ወዲቑ ዝርከብ ጉጅለ ህግድፍ፡ ነዚ ዝቐርበሉ ዘሎ ኣህጉራዊ ክሲ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዝኾነ ይኹን ግብረመልሲ የለን።