ሰፊሕ ኣኼባታት ኣብ ምክያድ ዝርከብ ውድብ ህወሓት፡ መንግስቲ ፌደራል መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክፍጽም ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ፡ ኣኼባታቱ ኣብ ስዉር ቦታታት የካይድ ምህላዉ ተገሊጹ።
እቲ ንኹሎም ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝጠርነፈ ኣኼባታት ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘሎ፡ምፍጣጥን ኣፈታትሕኡን ኣመልኪቱ ዝካየድ ኣኼባ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ እዋን ኣኼባ ናይ ድሮናት መጥቃዕቲ ክፍጽም ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ስክፍታ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ መሬት ስዉር ምስጢራዊ በዓትታት ይካየድ ምህላዉ እዩ ዝንገር።
ህወሓት ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ድሕነት መራሕቱ ንምሕላውን ንምርግጋጽን ዝዓለመ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጹር ኣድራሻ እንተረኺቡ፡ ናይ ነፈርቲ ኲናትን ድሮናትን መጥቃዕቲ ክፍጽም ስለዝኽእል ፡ ግቡእ ጥንቃቐ ክውሰድ ከምዝተመርጸ እዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረጋግጽ።
እቲ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ዘተ ኣኼባታት፡ ንካቢነ ሚኒስተራትን ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይን ዝሓወሰ ኮይኑ፡ ኣብ ፍጹም ምስጢራዊ ዝኾነ ናይ ትሕቲ መሬት ቦታታት ይካየድ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሓባሪ ኣንፈት ጂፒኤስ ወይ ውን ኣብቲ ቦታ ዝተመርኮሰ ናይ ቴሌፎን ርክባት ናብ ደገ ከምዘይወጹ ብምግባርን ብምቁራጽን፡ ልዑል ናይ ቴክኖሎጂ ጥንቃቐታት ውን ይግበር ምህላዉ ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እኩብ ኣጋጣሚ ከውርዶ ንዝኽእል ከቢድ ሓደጋ ብዝግባእ ንምክልኻል ይስራሕ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ኣብቲ ስዉር ኣኼባታት ተረኺቡ ንቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ቃሉ ዘስመዐ ፕረዝደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናይ ህላወ ስግኣት ገጢሙና ኣሎ ዝበለ ኮይኑ፡ ነዚ ንምምካት ኩለንተናዊ ምድላው ከምዘድሊ ገሊጹ።
መንግስቲ ፌደራል፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምድላዋት ብምዝዛም፡ ህዝቢ ትግራይ ዳግም ብምውራርን ንምጥፋእ ይሰርሕ ኣሎ ዝበለ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡
ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ካብ ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ንምድሓን፡ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ኣጋጣሚ፡ ኣገዳስን መሰረታውን ህዝባዊ ሕቶታት ንምምላስ ዘይሕለፍ ዕማም ምዃኑ ብምግንዛብ፡ መንግስቲ ነዞም ህዝባዊ ሕቶታት ንምምላስ ብቆራጽነት ክሰርሕ ትልሚ ኣውጺኡ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
ብቑጠባ ርእሳ ዝኸኣለት ትግራይ ብምፍጣር፡ መሰል ርእሰ ውሳነን፡ መሰል ርእሰ ምምሕዳርን ብምርግጋጽ፡ ከምኡ ውን ዳግመ ህንጸት ትግራይ ንምቅልጣፍ፡ መንግስቲ ትግራይ ብትግሃት ከምዝሰርሕ’ዩ ንቤት ምኽሪ ገሊጹ ዝርከብ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ኣባል ላዕለዋይ ፈጻሚ ሽማግለ ህወሓት ዝኾነት ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር (ሞንጆሪኖ)፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ኣብ ዝነበረ መዓልታት፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ ትግራይ፡ ሰፊሕ ናይ ኲናት ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ከምዝቀነየት፡ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር (ሞንጆሪኖ)፡ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ካብ መንግስቲ ፌደራል ክመጾ ዝኽእል ዘይተርፍ ዝመስል ኲናት ንምምካት፡ ኩለንትናዊ ምድላው ክገብርን፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊቱ ክስለፍን ዝገልጽ ሰፊሕ መደረታት ኣብ ምሃብ ምቅናያ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ኣብ ዛላምበሳ ውን ምስ ሓለፍቲ ህግደፍ ተራኺባ ክትመክር ምቅናያ ከምዘረጋገጹ እዮም ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም ዝርከቡ።
ጸላኢ ብምፍጣርን ኲናት ብምውላዕን ዝነብር ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኢትዮጵያ ናብ ዳግማይ ኲናት ብምእታው፡ ሃገራዊ ዕማማ ከወንዝፍ ሓሊኑ፡ ኣብ ከቢድ ድኻም ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ውድብ ህወሓትን ፋኖ ሰራዊት ኦላን፡ ናይ ህግደፍ ዕማም ንምምላእ ድልዋት ኮይኖም ኣብ ምንቅስቓስ ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ።