ኣብ ፈረንሳን ስጳኛን፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስን ልዑል ሙቐትን ዝተላዕለ ባርዕ ጫካ፡ ብሓያል ፍጥነት እንዳተሓንበበ መዓልታት የስፋሕፍሕ ብምህላዉ፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተገሊጹ።
ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ ዘጋጠመ ባርዕ ንምግታእ ይቃለሱ እኳ እንተሃለዉ፡ ሓያል ንፋስ ግን ነቲ ሃልሃልታ ይሕንብቦን፡ ናብ ካልእ ከተማ የግዕዞን ብምህላዉ ግን፡ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ መንበሪ ቤቶም ክሓድጉ ከምዘገደደ እዩ ዝግለጽ።
55 ሽሕ ዝቁጽሮም ነበርቲ ብተወሳኺ፡ ትማሊ ቀዳም ካብቲ ቦታ ክወጹ ተኣዚዞም፡ ድሮ ግዒዞም ምህላዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ግዝኣታት ጂሮንደን ላንደስን ጥራይ፡ ቁጽሪ ብዝሒ ዝተመዛበሉ ሰባት 250 ሽሕ ምህላዉ’ዮም ምንጭታት እቲ ከባቢ ዝገልጹ።
ሓያል ንፋስን ደረቕ ኣየርን፡ ነቲ ብፍጥነት ዝጎዓዝ ዘሎ ባርዕ ጫካ ንምቁጽጻሩ ኣጸጋሚ ጌርዎ ምህላዉ፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ፈረንሳ ነቲ ሓደጋ ንምቅላስ፡ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ሰራዊታ ኣዋፊራ ምህላዋ ውን”ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ በቲ ባርዕ ዝዓነወ ኩሉ ዳግማይ ክህነጽ ምዃኑን፡ መንግስቲ ፈረንሳ ዉን ኣብ ጎኖም ደው ከምዝብልን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ ብወገኑ፡ እቲ ኩነታት “ከቢድ እዋን” ፈጢሩ ምህላዉ ድሕሪ ምግላጹ፡ በቲ ባርዕ ሓዊ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ውን ኣረጋጊጹ።
ግዳይ እቲ ባርዕ ዝኾነ መዋቲ፡ ኣብ ዕድመ ሰብዓታት ዝርከብ ዓቢ ሽማግለ ምዃኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ መኪንኡ ሞይቱ ብኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ከምዝተረኽበ እዩ ዝንገር።
ሚኒስተር ሃገራዊ ጉዳያት ፈርናንዶ ግራንደ ማርላስካ፡ እቲ ኩነታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ብምባል፡ ኩነታት ኣየር ኣይሕግዘናን ኣሎ ክብል ዘማረረ ኮይኑ፡ ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ሚኒስተር፡ ነቲ ሓደጋ ስዒቡ፡ ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ካብ ዞባታት ማድሪድን ኣቪላን ስጳኛ ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ኣስታት 28 ሽሕ ሰባት ግና ኣብ ዘለዉዎ ክጸንሑ መልእክቲ ከምዝተዋህቦም’ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ብርቱዕ ባርዕ ጫካ፡ ገና ሓደገኛ መልክዕ ሒዙ ይቕጽል ምህላዉ ሰብ መዚ ሂወት ኣድሕን ስጳኛ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ከም ውጽኢቱ ስጳኛውያን ዜጋታት ብውሕዱ ካብ ሸሞንተ ከተማታት ግዝኣት ቶለዶ፡ ክወጹ ተኣዚዞም ምህላዎም’ዩ ዝንገር።