ብእኩይ ተግባራቱ ብህዝቢ ኤርትራ ኣመና ተፈንፊኑ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነተን ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራን ከባቢኣን ዜናን እዋናዊ ሓበሬታን ዝዝርግሓ ዘለዋ፡ ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ሳተላይታትን ንምድኻምን ንምብዳህን፡ ባጀት ሰሊዑን ሓይሊ ዕማም ኣቚሙን ምህላዉ ተፈሊጡ።
ጉጅለ ህግደፍ ነተን በብእዋኑ ብዓይነትን ትሕዝቶን ብዝሕን እናሰሰናን ንህዝብና ተኣማኒ ምንጪ ሓበሬታን ተስፋን ኮይነን ዘለዋ ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዩትዩባትን ፈነወ ሳተላይትን ንምዕጋትን ንምድኻምን ገዚፍ ባጀት ሰሊዑን ሓይሊ ዕማም መስሪቱን ኣሎ።
ብመሰረት ካብ ውሽጢ ዓዲ ናብ ኤሪፒኤም ዝተላእከ ሓበሬታ፥ ጉጅለ ህግደፍ እቲ ኣብ ቁጽጽሩ ዝርከብ ማዕከናት ዜና ሓሶትን ጽልእን ዝነዝሕ ተቐባልነቱ ይዳኸም ምህላዉን
ብኣንጻሩ ካብ ወጻኢ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዝዝርጋሕ ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሓበሬታን መደባትን ፍቱውን ተኣማኒ እናኾነ ስለዝመጸን: ባጀትን ሓይሊ ዕማምን ከዛይድ ከምዝተገደደ የመልክት።
ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ኣትሒዙ ብምንቅስቓስ “ሰብ ኣስመራ ንለውጢ” ብሳተላይት ኤሪፒኤም ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝዝርጋሕ ዘሎ መደባት፥ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺቡ ስለዘሎ: ንጉጅለ ህግደፍ ተወሳኺ ሕማም ርእሲ ከምዝኾኖን ህግደፍ ነቲ መደባት ካብ እዝኒ ሰማዕቲ ንምሕባእ ይባላሓት ከምዘሎ: እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።
እቲ ብኣላይነት ሚኒስተር ዜና ጉጅለ ህግደፍ የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ) ቆይሙ ዘሎ ሓይሊ ዕማም:ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ: ፖለቲካውን ባህላውን ጉዳያት ጉጅለ ህግደፍ: ማሕበራት መንእሰያትን ደቂኣንስትዮን: መኮነን ሓበሬታን ጎስጓስን ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝሓቘፈ ኢዩ።
ካብ ቀንዲ ዕማማት ናይዚ ቆይሙ ዘሎ ሓይሊ ዕማምን ባጀትን ድማ:
ቀዳማይ: ኣብ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣኼባታትን ሰሚናራትን ክዝረበሎም ዝግብኦ መጎሳጎሲ ጉዳያት ምሕራይን ምዝርጋሕን
ካልኣይ : ማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍን ንሱ ዝምውለንን ዝሕብሕበንን ዩቱበራትን ውልቀ ሰባትን:ዝተዋሃሃደ መደባት ስራሕ ምክያድን ምዝርጋሕን
ሳልሳይ: ጽልዋ ዘለዎም ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት : ማዕከናት ዜናን ዲፕሎማሰኛታትን ሓገግትን ኣካላት ኣብ ውራያት ምዕዳምን ብጥቕሚ ምግዛእን ብዛዕባ ጽቡቕ ነገራት ህግደፍ ክዛረቡን ሓበሬታ ክዝርግሑን
ራብዓይ: ብደለይቲ ፍትሒ ዝዝርጋሕ ኣድማዒ መደባት መታን ኣቓልቦን ሰማዕን ከይረክብ: ብቀጥታን ብተዘዋዋርን መልሲ ምሃብ: ምጽላም፥ ምቑንጻብን ሓድነቶም ምዝራግን
ሓሙሻይ: ነቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ሳተላይት ኤሪፒኤም “ኣብ ወጻኢ ቀንዲ ኣተግበርቲ መደባት ጉጅለ ህግደፍ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጠቕሱ ውልቀ ሰባትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዩቱበራትን: ብቀጻሊ ጽሑፋት ኣዳሊኻ ምዕዳልን መደባት ስራሕ ምሕባርን ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ማዕረ ማዕረ’ቲ ኣንጻር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዘካይዶ መጥቃዕቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ስግረ ዶባዊ ዘይጋዊ ግብረሽበራዊ ንጥፈታትን: ምስ ሰልፊ ብልጽግና ዘለዎ ናይ ቃላት ኩናት እውን ኣካል ናይቲ ቆይሙ ዘሎ ሓይሊ ዕማም ኢዩ።
ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ: ዋላ’ኳ ንህዝቢ ኤርትራ ብምጥማይን ጸጋታትና ብምጉሕጓሕን: ሰባት ክዓስብን ሓቅታት ክጥምዝዝን ይፈትን: ንምልካዊ ባህርያቱን ተግባራቱን ክቅይሮን ካብ ስዕረቱ ክድሕኖን ኣይክእልን ኢዩ።
ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብወገኖም: ንተንኮላትን ውጥናትን ጉጅለ ህግደፍ ብምግንዛብ: ኣብ ዜናዊ ስረሓትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን: ንህዝብና እዋናዊ ሓቀኛ: ተስፋ ዝህብ: መንፈስ ቃልሲ ዘበራብርን ሓድነቱ ዘደልድልን ምምልላእ ዘለዎ ውሁድ መደባት ክሰርዑ ትጽቢት ይግበረሎም።